ዋሽንግተን —
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ነተን 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ናብ በረራ ከምዝመልሰን ኣፍሊጡ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዘጋጠመ ንህይወት 157 ሰባት ዘጥፈአ ሓደጋ: ን737 ማክስ ነፈርቲ ካብ በረራ አጊዱ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እቲ መገዲ ኣየር ሎሚ ብመሰረት ዝዘርገሖ መግለጺ፣ ናብ’ዚ ውሳነ ዝበቅዐ፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ኣውሮጳን እስያን ድሕሪ ዝተካየደ ደቂቅን ጽዑቅን ምርመራን መረጋገጺን ከምዝኾነ ጠቂሱ።
ኩለን 737 ማክስ ነፈርቲ ብደረጃ ዓለም ቅድሚሰለስተ ዓመት ካብ በረራ ከምዝተኣገዳ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ጥቃ ቢሸፍቱ ዝወደቐት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 737 ማክስ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 189 ተሳፈርቲ ምሟቶምን፣ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣብ ኢንዶኔሽያ’ውን ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።