ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ 550 ሚልዮን ዶላር ምኽሳሩ ተገሊጹ


ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፥ ካብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ጥሪ ጥራሕ ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮርኖ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ኣፍሊጡ። ይኹን`ምበር እቲ መንገዲ ኣየር ናይ ጽዕነት በረራታት ብምውሳኽ ስርሑ ንምቕጻል ከምዝተኣማመን ዋና ኣካያዲ ስራሕ`ቲ መንገዲ ኣየር ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ገሊጾም።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም እቲ ትካል ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ 550 ሚልዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ዝገልጽ ፥ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ከቢድ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ከምዘሎ ኣይከወለን። እንተኾነ ነዚ ማዕበል ከምንሰግሮ ንተኣማመን ኢና ኢሉ።

ሓዲሽ ምንጪ ኣታዊ ኢና ነናዲ ዘለና ዝበለ ኣቶ ተወልደ፥ ሎሚ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ኣብ ምሉእ ዓለም ሕክምናዊ ቀረባት ዝያዳ ዘድልየሉ ዘሎ እዋን፥ ናብ ካርጎ ማለት ናብ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ኢና ነተኩር ዘለና ኢሉ። ንገለ ናይ ገያሾ ነፈርቶም ናብ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ይቕይርወን ከምዘለዉ`ውን ገሊጹ።

ገለ ተንተንቲ ኢንዱስትሪ መንገድታት ኣየር፥ ብሰንኪ`ዚ ቅልውላው፡ ዝጥፍሻ መንገድታት ኣየር`ውን ከምዝህልዋ ይትንበዩ። ጆን ግራንት ካብ OAG ዝተባህለ ትካል ኣቪየሽን፥ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን ዝሓሸ ምሕደራ፥ ዝበዝሐ መርበባት ከምኡ ዝያዳ ዘመናውያን ነፈርቲ ስለዝውንን፥ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት`ዩ ዘሎ ብምባል፥ ናብ ናይ ካርጎ ዕዳጋ ብቐሊሉ ክኣቱ ከምዝኽእል ይገልጽ።

ግራንት ኣተሓሒዙ፥ ጽዕነት ኣቑሑ ክንዲ ናይ ገያሾ ኣታዊ ዝርከቦ`ኳ እንተዘይኮነ፥ ኣብዚ ሕጽረት ዓቕምታት ካርጎ ኣጋጢምሉ ዘሎ እዋን፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ብጽዕነት ዝረኽቦ ዝነበረ ኣታዊ ብሰለስተ ዕጽፊ ከዕብዮ ከምዝኽእል ይገልጽ።

ቅድሚ ቫይረስ ኮርኖ ምምጽኡ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 350 በረራታት ናብ ልዕሊ 100 ቦታታት የካይድ ምንባሩ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG