ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣታዊታቱ ናብ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ19 ዝነበረ ከምዝምለስ ይሕብር


ኣካያዲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ መስፍን ጣሰው
ኣካያዲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ መስፍን ጣሰው

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሰባት ምግዕዓዝ፣ ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ ጊዜ፣ ናብ’ቲ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ19 ይረኽቦ ናብ ዝነበረ ኣታዊ ክበጽሕ ይኽእል እዩ ዝብል ገምጋም ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ኣካያዲ’ቲ መገዲ ኣየር ኣቶ መስፍን ጣሰው ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ19 ብዝሒ ተሳፈርቱ 12.1 ሚልዮን ከምዝነበረ: ብመሰረት ውጥኑ ናብ 12.6 ሚልዮን ክብ ከምዝብል ይገልጹ ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ዓለም ተነቢሩ ዝነበረ ክልከላታት ይላዓል ስለዘሎ፣ እቲ መገዲ ኣየር ተወሰኽቲ ሃገራት ይሽፍን ምስ ምህላውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝነበረ ውግእ ዘሃድእ ውዕል ሰላም ምኽታሙ፣ ከም ኣገደስቲ እትዋታት ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG