ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ 30 ሃገራት ዝነበሮ በረራ ምቁራጹ ተገሊጹ


መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሰላሳ ሃገራት ዝገብሮ በረራ ከምዘቋረፀ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም።ካብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ተጉዓዝቲ ንዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልታት ክዉሸቡ ግዴታ ከምዝተቐመጠን ንፃንሒቶም ድማ ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ከምሽፍኑ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህፃናት ዘለወንን ናይ ኣመክሮ ግዚኦም ዝበፅሐን ቀሊል ክሲ ዘለዎምን ክፍትሑ ከምዝተወሰነ ገሊፆም።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ምስፍሕፋሕ ኮሮናቫይረስ ምኽንያት ብምግባር ንዝፍፅሙ ገበናት ንምቁፅፃር ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኮሚሽን ፖሊስ ኮማንደር ፋሲካ ፋንታው ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል ኣባላት ፖሊስ ነቲ ቫይረስ ምኽንያት ብምግባር ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዝውስኹ ነጋዶ ይቆፃፀሩ ኣለው ኢሎም።

ንዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ኣበርክቶ ዘለዎም ክለባት ለይታዊ ትልሂትን እንዳ ሺሻ ዝኣመሰሉ ቦታታት እውን ቁፅፅር ይግበር ከምዘሎን ምስ እዚዝተኣሳሰሩ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ 30 ሃገራት ዝነበሮ በረራ ምቁራጹ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:00 0:00


XS
SM
MD
LG