ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ዘካይዶ በረራ ደው ከምዘይብል ኣፍሊጡ


ዓለምለኸ መንገዲ ኣየራት ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ናብ ቻይና ምብራር ደው ኣቢለንኦ ኣለው።እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን ናብ ቻይና ምብራር ደው ኣየብልን ኢሉ ይርከብ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማሪያም እቲ መንገዲ ኣየር በረኣ ደው ከብል ብዙሕ ድፍኢት እንተሃለወ እውን ምስራዝ በረራ ነቲ ቫይረስ ኣብ ምቁፅፃር ይሕግዝ እዩ ዝብል መረጋገፂ ሓቂ የለን ኢሎም።

ኣቶ ተወልደ ን‘ሪፖርተር’ ንዝተብሃለ ጋዜጣ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ ቃል “ንቻይና ክንጽላ የብላናን።ንቻይናዊያን ተጉዓዝቲ’ውን ከነጓንዮም የብልናን።ክንገብሮ ዘለና ብመሰረት ኣሰራርሓ ውድብ ጥዕና ዓለም ንተጉዓዝቲ ክንፍትሽ እዩ ዘለና’’ኢሎም ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ቻይና 35 በረራታት የካይድ።

XS
SM
MD
LG