ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ስሩዕ በረራ ናብ ኣስመራ ጀሚሩ


ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመት ሎሚ ሓምለ 18 ቦኽሪ በረራ ናብ ኣስመራ ኣካይዳ።

እተን ክልተ ነፈርቲ ኣብቲ ናይ ቦኽሪ በረረኣን ንቐዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ካልኦት 456 ገያሾን ሒዘን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወትሉ ልዑል ኣቀባብላ ተገይሩላ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዳግማይ ምፍላም ስሩዕ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ: ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ምስታ ነፋሪት ዝበጽሑ ገያሾን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ተረኺቡ ከምዝተቐበሎም: ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

​ምሉእ ጸብጻብ ዳግማ ምጅማር በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ስሩዕ በረራ ናብ ኣስመራ ጀሚሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:13 0:00

XS
SM
MD
LG