ዋሽንግተን —
ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመት ሎሚ ሓምለ 18 ቦኽሪ በረራ ናብ ኣስመራ ኣካይዳ።
እተን ክልተ ነፈርቲ ኣብቲ ናይ ቦኽሪ በረረኣን ንቐዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ካልኦት 456 ገያሾን ሒዘን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወትሉ ልዑል ኣቀባብላ ተገይሩላ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዳግማይ ምፍላም ስሩዕ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ: ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ምስታ ነፋሪት ዝበጽሑ ገያሾን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ተረኺቡ ከምዝተቐበሎም: ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ዳግማይ ምጅማር በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ
Previous slide
Next slide
ምሉእ ጸብጻብ ዳግማ ምጅማር በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።