ዋሽንግተን —
ዝዓበየ መንገዲ ኣየር ጀርመን ሉፍታንዛ ሎሚ ዓርቢ ኣማኢት በረራታት ሰሪዙ።
ሉፍታንዛ በረራታት ዝሰረዘ ኣብረርቲ ነፈርቱ ዝሓሸ ክፍሊትን ባይታ ሰራሕን ብምሕታት ናይ ሓደ መዓልቲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ብምክያዶም'ዩ።
ኣብ ኣውሮጳ ካልኣይ ዝዓበየ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ሎሚ ከምዘፍለጦ ኣብ ክልተ ቀንዲ መዕርፎ ነፈርቲ ፍራንክፈርትን ሙኒክን 800 በረራታት ደው ኢሉ'ሎ።
ብሰንኪ'ዚ ኣድማ ኣብረርቲ ነፈርቲ ልዕሊ 100-ሽሕ ተጉዓዝቲ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክጸንሑ ተገዲዶም ኣለው።
ኣብ ጀርመን ሰራሕተኛታት ጽቡቅ ክፍሊት ክረኽቡን ዝሓሽ ኩነታት ስራሕ ክፍጠረሎምን ብልምዲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ዘተሓባብራ ማሕበራት ሰራሕተኛታት'የን።
ማሕበር ኣብረርቲ ነፈርቲ ጀርመን ኣብዚ ዓመት እዚ 5.5% ወስኽ መሃያ ብሰንኪ ዝቅባበ ገንዘብ ኸኣ ኣብ 2023 ኸኣ ቀጥታዊ ወሰኽ ክግበረሎም ይሓቱ ኣለው።
እቲ ዝተሓተ ወሰኽ እንተተመሊእሎም ወጻኢ ሉፍታንዛ ብ40% ክውስኽ ዩ።