ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንኮርኮር ህዋ ቱሪዝም


ንፈለማ እዋና ካብ ምርምር ጠፈር ወጻኢ፡ ብበጻሕቲ እሞ ድማ ምኩራት ጠፈርተኛታት ዘይኰኑ ተሳፈርቲ ዝሓቖፈት፡ SpaceX ዝተባህለት መንኮርኮር ህዋ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደታ ወዲኣ ተመሊሳ ኣላ። እታ ኣርባዕተ ሰባት ዝሓቖፈት መንኮርኮር ህዋ፡ ብሰንበት’ያ ኣብ ከባቢ ፍሎሪዳ ዝርከብ ኣካል ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዓሊባ። ከምዚ ዝመስል ዑደት ብዘይ ሞያውያን ጠፈርተኛታት ክካየድ ናይ ፈለማ እዋኑ’ዩ። ንዑደት’ዛ መንኮርኮር ህዋ ዝመወለ ቢልዮነር፡ ተራ ሰባት’ውን ኣብ ዙርያ ጠፈር ክዘናግዑን ክበጽሑን ተኽእሎ ከም ዘለዎም ንምርኣይ ምዃኑ ይገልጽ።

ብዘይካ’ቲ ናይ ጠፈር ጕዕዞ፡ እቶም በጻሕቲ፡ ንማእከል ምርምር ሆስፒታል ህጻናት ቅዱስ ጁድ ዝውዕል ሚልዮናት ገንዘብ ንምውጻእ ኣኽኢሎም’ዮም። ሓንቲ ካብቶም ኣርባዕተ ተጓዓዝቲ ኣብቲ ሆስፒታል ተሓኪማ ካብ ናይ ኣንጕዕ ካንሰር ዝደሓነት’ያ።

SpaceX ዝተባህለት መንኮርኮር ብቢልዮነር ኢልያን ማስክ እትውነን ኰይና፡ ነቶም ኣርባዕተ ፈላሞት በጻሕቲ ከኣ ኪንዮ ምርምራዊ ስራሕ ጠፈር፡ ንፍጹም ምዝንጋዕን ምርኣይን ዝተጓዕዙ ፈላሞ ናይ ክብሪ ኣጋይሽ እቲ ቢልዮነር’ዮም።

ካብ ቅድሚኣ ዝነበራ ዓይነታት መንኮርኮር ከም እትፍለ ዝተሓበረት SpaceX ምሉእ ብምሉእ ካብ ቍጽጽር ሰብ ወጻኢ ክትዝወር እትኽእል ኰይና፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ብመንኮርኮራት ጠፍር ዝብጻሕ ዝነበረ ብራኸ ልዒላ ከም ዝተጓዕዘት’ውን ተፈሊጡ ኣሎ። 585 ኪሎ-ሜትር (363 ማይላት) ልዕሊ ጽፍሒ ባህሪ ዝተጓዕዘት መንኮርኮር፡ ካብታ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝለዓለ ብራኸ ዝበጽሐት International Space Station ዝተባህለት መንኮርኮር ብ160 ኪሎ-ሜተር (100 ማይላት) ዝልዕል ብራኸ ተጓዒዛ ኣላ። እቶም ተጓዓዝቲ ድማ በቲ ኣጕሊሑ ዘርኢ ዓቢ መስኮት ኣቢሎም ንመሬት ክዕዘቡ ክኢሎም።

ፈለማ ናብ ህዋ ዝተላእከት ኣፖሎ 9 ዝተሰምየት ኣብ 1969 ዑደት ዝፈጸመት’ያ። እዛ ብኤልያን ማስክ እትውነን SpaceX ድማ ኣቐዲማ ክልተ ግዜ ተመራመርቲ ስነ-ህዋ ናሳ ሒዛ በሪራ ነይራ።

ነዚ ዑደት ዝመወለ ወዲ 38 ዓመት ኣዋፋሪ በዓል ዋኒንን ኣብራሪ ነፋሪትን ጃረድ ኣይዛክማን’ዩ። ኣይዛክማን ንመርመር ሆስፒታል ህጻናት ቅዱስ ጁድ ዝውዕል 200 ሚልዮን ኣመሪካ ገንዘብ ንምውጻእ ብዝብል ዕላማ’ዩ ነቲ ሓሳብ ኣንቂሉዎ። ባዕሉ 100 ሚልዮን ዶላር ከዋጽእ እንከሎ፡ ንሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ሰፈር ድማ ዕጫ ሎተሪ ኣውዲቑላ።

ብዘይካ’ቲ በዓል ጸጋ፡ እቶም ምስኡ ሓቢሮም ዝተጓዕዙ ጓል 29 ዓመት ተሓጋጋዚት ሓኪም ሀይሊ ኣርሰነክስ ካብ ቅዱስ ጁድ ሆስፒታል፣ ብሎተሪ ዝተዓወተ ወዲ 42 ዓመት ክሪስ ሰምብሮስኪ ከምኡ’ውን ጓል 51 ዓመት ሺያን ፕሮክትሮ’ዮም።

ተጓዓዝቲ ክሳብ ወርሒ መጋቢት ኵላቶም ዘይፋለጡ ደኣ ይጽንሑ እምበር፡ ድሕሪኡ ግን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝኣክል ብሓባር ኣብ ልምምድን ምድልዋትን’ዮም ጸኒሖም።

እቶም ተጓዓዝቲ፡ ቅድሚ ንጠፈር ምብራሮም፡ ተዛንዮም ምስ ሕሙማት ሆስፒታል ቅዱስ ጁድ ከዋግዑን ኣካላዊ መርመራ ክገብሩን’ዮም ተራእዮም። ናብ ጠፈር ዝበጽሐት ዝነኣሰት ኣመሪካዊት ኰይና ተመዝጊባ ዘላ ኣርሰነክስ ካብ ኣንጕዕ ካንሰር ዝተገላገልትሉ እዋን ብምጥቃስ፡ ካብ ከምኡ ዝመስል ናይ ህይወት መስገደል እንተ ወጺኣ፡ እዚ ናይ ጠፈር ጕዕዞ ክሳብ ክንዲ’ቲ ኣጸጋሚ ክኸውን ከም ዘይክእል’ያ ተዛሪባ።

እቶም ተጓዓዝቲ ቅድሚ ምንቃሎም፡ ምስቲ ብዛዕባ’ቲ ጕዕዞ ኣመልኪቱ ፊልም ንምዕያይ ዝሕልን ዘሎ ቶም ክሩዝን ድምጻዊ ቦኖን’ውን ብቴለፎን እናውግዑ ተራእዮም’ዮም።

ነቶም በረርቲ ጠፈር ዝተቐረበ መግቢ ከምቲ ብዙሓት ዝገመቱዎ ኣይነበረን። ዝሑል ፒሳ ምስ እምበቲቶ ከምኡ’ውን ፓስታ ላዛኛን ጥቡስ ስጋ ምራኽን’ዩ።

ጕዕዞ ናብ ህዋ ቅድሚ 60 ዓመታት ዝጀመረ ኰይኑ፡ ዛጊት ኣስታት 600 ዝኣኽሉ ሰባት ዑደት ፈጺሞም ኣለዉ።

ምስ ምጅማር ንምዝናይ ዝኸውን በረራታት ጠፍር ግን ሕጂ ኣብ ዓመት ክሳብ 6 ዝበጽሕ ጕዕዞ ክህሉ ከም ዝኽእል ይግመት። ድሮ እኳ እተን ሰለስተ ዝመጻ ጕዕዞታት SpaceX ተሓዚአን ኣለዋ። ኣብ ፈለማ ኣዋርሕ ናይ ዝመጽእ ዓመት ተመዲቡ ኣብ ዘሎ ጕዕዞ፡ ሰለስተ ሰብ ዋኒን ዝጓዓዙዎ ኰይኑ፡ ነፍሲ-ወከፎም 55 ሚልዮን ዶላር ክኸፍሉ’ዮም።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት’ዚ ሰብ ጸጋ ጀፍ በይዞን ሪቻርድ ብራንሶንን ብናይ ባዕላቶም መንኮርኮር ናብ ህዋ ተጓዒዞም ምንባሮም ዝዝከር ኰይኑ፡ ጕዕዞኦም ግን 10ን 15ን ደቓይቕ ጥራይ’ዩ ወሲዱ።

XS
SM
MD
LG