ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንእሰይ ስነጥበበኛ ዊንታ ገረዝጊሄር ሕጽይቲ ሶቲጊ  ኣካዳሚ ኣዋርድ ኮይና


ኣብ ተለቪዝን ኤርትራ ሰንበት ሰንበት ትርኣ ኣብ ዘላ “ተኸታታሊት ፊልም ማጨሎ”፡ ናይ ራሄል ገጸ-ባህሪ ሒዛ ትዋሳእ ዘላ ተዋሳኢ፡ ሞደሊስትን ዲዛይነርን ዊንታ ገረዝጊሄር ‘ብልጽቲ ተዋሳኢት ሶቱጊ ኣካዳሚ ኣዋርድ 2021’ ተባሂላ ተረቑሓ`ላ።

ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝመደበሩ ፡ምዕራብ ኣፍሪቃዊ ናይ ፊልም ፌስቲቫል፡ንሻድሻይ ጊዚኡ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ፊልም ፌስቲቫል’ዩ ስነጥበበኛ ዊንታ ንፈለማ እዋን ኣብዚ መድረኽ'ዚ ሕጽይቲ ክትከውን ዝኸኣለት።

“ሶቱጊ ኣካዳሚክ ኣዋርድ”፡ ብሽም`ቲ ሶቲጊ ኮየተ ዝብሃል ዜግነት ቡርኪና ፋሶን ማሊን ዘለዎ ፍሉጥ ተዋሳኣይ ዝጽዋዕ ሽልማት ክኸውን ከሎ፡ ምስቲ `ፈስፓኮ` ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ዓቢይ ፓን ኣፍሪቃን ፈስቲቫል ፊልም ብምውህሃድ ዝሰርሕ`ዩ። ዕላምኡ ድማ ኣብ መንጎ ፊልምታትን ተዋሳእትን ኣፍሪቃ መርበብ ብምፍጣር፡ ንኣፍሪቃውያን ሰብ-ሞያ ፊልምታትን ኮመዲታትን ኣፍልጦ ብምሃብ ንሲነማ ኣፍሪቃ ንምትብባዕ ዝሰርሕ`ዩ።

ናብዚ ናይ ሎሚ ዘመን ሽልማት ሶቲጊ ኣካዳሚ፡ ካብ 36 ሃገራት ዝተወከሉ ተወሳእቲ ክሳተፉ ምዃኖም መርበብ ሓበረታ`ቲ ኣካዳሚ ኣፍሊጡ`ሎ።

ናብዚ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ ስነ-ስርዓት ሽልማት፡ ብልጽቲ ተዋሳኢት ሶቲጊ ኣካዳሚ ኮይና ዝተሓጸየት ኤርትራዊት ሰነጥበበኛ ዊንታ ገረዝግሀር ፡ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ሓጺር ቃለመሕትት ፡”እዚ በጺሐዮ ዘለኹ ደረጃ ፡ውጽኢት ካብ ህጻንነታይ ጀሚረ ዘካየድክዎ ጻዕሪ ‘ዩ” ክትብል ተዛሪባ`ላ።

ምስ ተዋሳኢ፡ሞዴሊስትን ዲዛይነረን ዊንታ ገረዝጊሄር ዝተገብረ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG