ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንእሰያት ከተማ መቐለ ዘቕረብናዮ ሕቶ መሬት መልሲ ኣይረኸበን ክብሉ ይኸሱ


ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝኣተዉ ከባቢታት ዝነብሩ ገለ መናእሰይ ቅድሚ 15 ዓመታት ዘእተውዎ ሕቶ መሬት መንበሪ ገዛ ክሳብ ሐዚ ምላሽ ኣይተውሃበናን ኢሎም።

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብወገኑ ኣብቲ ጉዳይ ብዝወፀ መምርሒ መሰረት የተኣናግድ ኣለኹ ኣብዚ ዓመት እውን ንልዕሊ 9 ሽሕ መናእሰይ መሬት መንበሪ ክህብ ወሲነ ኣለኹ ኢሉ።

ኣብ ከተማ መቐለ ምምሕዳር ክፍለ ከተማ ሓድነት ኣይናለም ኣብ ዝበሃል ከባቢ መናእሰይ ምስ ዕደላ መሬት መንበሪ ኣባይቲ ብዝተሓሓዝ ንብዙሕ ዓመታት ዘቕረብዎ ሕቶ ምላሽ ዘይምርካቡ ይገልፁ።

ሕቶ ካብ ዘለዎም መናእሰይ ሓደ ግርማይ ካሕሳይ ዝተብሃለ ኣብ 1996 ዓ.ም እቲ ከባቢ ካብ ገጠር ምምሕዳር ናብ ከተማ መቐለ ካብ ዝተዛወረሉ እዋን ጀሚሩ ሕቶ መንበሪ ገዛ ሓቲትና ምላሽ ንምርካብ ክሳብ ሐዚ ንከላበት ኣለና ይብል።

ሄለን ተስፋይ ዝተብሃለት እውን ኣብቲ ከባቢ ነባሪት እያ። በበእዋኑ ብዝወፁ መምርሕታት ዕደላ መሬት ክንተኣናገድ ኣይከኣልናን ትብል። ብ2003 ዕደላ ነይሩ ዝበዝሕ መንእሰይ ዘይወለድካ ተባሂሉ ከይተውሃበ ተሪፉ ድማ ኢላ።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት እናተቐያየረ መምርሒ ከምዝወፅእ በዚ ድማ ተጠቀምቲ ንከይኾኑ የተኣጓጉል ኣሎ ኢላ።

ሕቶ እቶም መናእሰይ ምላሽ ንምርካብ ንበዓል ሞያ ምፅራይን ምውሳንን ጥርዓን ጉዳይ መሬት ቤት ከተማ መቐለ ኣይተ ደስታ ካሕሳይ ብመሰረት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2010 ዓ.ም ዝወፀ መምርሒ ልዕሊ 9,000 መናእሰይ መንብሪ ገዛ ክረኽቡ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊፆም። ካብቲ መምርሒ ወፃኢ ግና ክነተኣናግድ ኣይንኽእልን ኢሎም።

ኣብቲ መምርሒ ዘይተኻተቱ ፀገም መንበሪ ኣባይቶም ብማሕበር ተወዲቦም ዝፈትሕሉ ዕድል ተዳልዩ'ዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ካብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትሪን ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ኣብ ዝተኻለሉ ከባቢታት ሕቶ መሬት ዘይተኣናገዱ ኣካላት ብመሰረት ሕጊ ደጊምካ ንምርኣይ ካብ ኩሎም ከባቢታት መረዳእታ ይእከብ ከምዘሎ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:10 0:00

XS
SM
MD
LG