ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንቀሊ ዓለምለኸ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ክጽናዕ ዝሓለፈ ውሳነ ቻይና ግዚኡ ኣይኮነን ክትብል ነጺጋቶ


መንቀሊ ቫይረስ ኮሮና ዝምርመረሉ መድረኽ በጺሕና ዝብል ዓለማዊ ድጋፍ ይሕይል ኣሎ- ቻይና ግን ሓንሳብ ንጽናሕ ትብል ኣላ።

ብሕብረት ኤውሮጳ ዝተመወለ ሓደ ውሳነ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ መበገሲ`ቲ ለበዳን ዝተዋህቦ ምላሽን ክጽናዕ ጸዊዑ`ሎ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ለበዳ ይቕጽል ከምዘሎ እምነት ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ስለዝኾነ- ነቲ ስጉምቲ ምውሳድ ግዚኡ ኣይኮነን ይብል። እቲ ተበግሶ ሕበረት ኤውሮጳ ብጉባኤ ውድብ ጥዕና`ውን ከምዝተደገፈ`ዩ ዝግለጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ሃገራት ዓለም ንእገዳ ኮቪድ 19 ምልዓለን ቀጺለን ኣለዋ።

በልጂም ሎሚ ሰኑይ ዕዳጋታትን ቤተ-መዘክራትን ክኽፈት ኣፊቂዳ`ላ- ተወሰኽቲ ተማሃሮ ድማ ናብ ቤት ትምህርቶም ይምለሱ`ለዉ።

ኣብ ግሪኽ ከተማ ኣቴንስ ፍሉጥ ስሕበት በጻሕቲ ዝኾነ ኣክሮፖሊስ ከምኡ ናይ ቫቲካን ቤተክርስትያን ቅዱስ ጰጥሮስ ካብ መንጎ ሓደሽቲ ዝተኸፍቱ ቦታታት ኮይኖም ኣለዉ።

ህንዲ ግን ናህሪ`ቲ ሕማም ስለዝረኣየት እዚ ወርሒ ክሳብ ዝወዳእ እቲ እገዳ ክቕጽል ወሲና`ላ። ግብጺ ኣብ`ዚ እዋን ወርሒ ሮመዳን ንሹቓትን ከም ገማግም ባሕሪ ዝበሉ መዘናግዒ ቦታታትን መዘናግዒ ሕዛእታትን ከምኡ ናይ ለይቲ ሕላፍ ሰዓት ተዓጽዩ ክጸንሕ ጌራ`ላ።

ኣብ ዓለም ብቁጽሪ ብኮቪድ 19 ዝተታሕዙን ዝሞቱን ትመርሕ ዘላ ኣሜሪካ ቀስ ብቐስ እገዳታት ተፍኩስ ኣላ። ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ ምኽፋት ዕዳጋታት ምስ ኣመሓደርቲ ግዝኣታትን ወነንቲ ኢንዱስትሪ ኣብያተ መግብን ክዘራረብ መዲቡ`ሎ። ነቶም ኣብዚ እዋን እገዳ፥ ሰንሰለት ቀረባት -መግቢ ንኸይቋረጽ ዝጸዓሩ ሓረስቶት ድማ ሓደ ሓገዝ ክግበረሎም ትጽቢት ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝነበረ ባራክ ኦባማ፥ ንግብረ መልሲ ኣሜሪካ ምንቃፉ ትራምፕ ነጺግዎ። ኦባማ ዝሓለፈ ቀዳም ንተመረቕቲ ኮሎጃት ብተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ሰባት ኣብ ግብረ-መልሲ`ቲ ለበዳ ዝግብርዎ ዘለዉ ነገር ባዕሎም ዝፈልጥዎ`ዩ- ክብል ብሽም ከይጠቀሰ ነቒፉ ኔሩ። ብዛዕብኡ ምላሽ ኽህብ ዝተሓተተ ፕረዚደነት ትራምፕ ድማ "ብቕዓት ዝነበሮ ፕረዚደንት ኣይነበረን" ክብል መሊሱ።

ትማሊ ሰንበት ድማ በዓል-ስልጣን ጥዕና ኣሜሪካ ነቲ መንግስቲ ንህዝቡ ከሲርዎ`ዩ ዝብል ነቔፈታ ነጺግዎ`ሎ። ሚንስተር ጥዕና ኣለክስ ኣዛር ትማሊ ኣብ ሲ-ኤን-ኤን ቀሪቡ` መንግስቲ ነቲ ዝገበሮ እንተዘይገብሮ እቲ ሓደጋ ኣዝዩ ሰፊሕ ምኾነ ኢሉ።

ብኻልእ ወገን እቲ እገዳ ንኣሜሪካ ናብ ውድቀት ኤኮኖሚ ገጹ ይደፍኣ ከምዘሎን- ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝለዓለ ቁጽሪ ሸቕሊ ኣልቦነት ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ`ውን እናወሰኸ ከምዝኸይድ ሓለፍቲ ቂጠባ ኣሜሪካ ይሕብሩ ኣለው።

XS
SM
MD
LG