ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

500 መትሪክ ቶን ህጹጽ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ትግራይ ኣትየን


ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ ብናይ ትዊተር መልእኽቱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ 500 መትሪክ ቶን ህጹጽ ረድኤትን ሕክምናዊ ቀረባትን ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ምምርሐን ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ብተመሳሳሊ 1000 መትሪክ ቶን ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ዓፋር ምልኣኹ’ውን ኣመልኪቱ ኣሎ።

ወሃብ ቃል ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ብትዊተር ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና 20 ዓበይቲ መካይን ናብቲ ንሳቶም ዝቆጻጸሩዎ ክልል ትግራይ ምእታወንን ንመቐለ የምርሓ ምህላወንን ጽሒፎም ኣለዉ። ኣይተ ጌታቸው ወሲኾም፡ ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ዘውሕስ ኣገባብ ክህሉ ኣዘኻኽሮም።

XS
SM
MD
LG