ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መቦቖል ወርሒ ዝእንፍት ሓበሬታ ምርካቡ ተመራመርቲ ስዊዘርላንድ ይሕብሩ


ሓደ ካብ ኣብ ፍጥረት ወርሒ ብዝምልከት ዘለው ስነ-ሓሳባት ስነ ሓሳብ እቲ ‘ዓብይ ጽልዋ’ ዩ።

እዚ ስነ ሓሳብ ቕድሚ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ዓመታት መሬት ምስ ክንዲ ፕላኔት ማርስ ዝከውን ‘ታይ ‘ዝተባህለ ፕላኔት ብተደጋጋሚ ምግጫዋ ይገልጽ።

ካብዚ ግጭት ዝተፈጥሩ ነገራት ምስ ጊዜ ተአኪቦም ወርሒ ከምዝተፈጥረት እዚ ስነ ሓሳብ ይምጉት።

ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ስዊዘርላንድ ዘውጽእዎ ሓድሽ መርትዖ’ውን ነዚ ዝጸንሓ ስነ ሓሳብ ዝድግፍ’ዩ።

ኣብ ኣንታርቲካ ንዝወደቑ ስብርባራት ወርሒ ዘጽንዑ እዞም ተመራመርቲ ኣብቶም ስብርባራት ነቶም ክልተ ቐወምቲ ኣብ መሬት ዝርከቡ ጋዛት ሄልዩምን ኑዮንን ምርካቦም ይሕብሩ።

በዚ መሰረት እዞም ኣብ ውሽጢ ወርሒ ዝርከቡ ጋዛት:ወርሒ ክትፍጠር ከላ ካብ መሬት ዝረኸበቶም ከምዝኾነ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG