ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 8ይ ዋዕላ ሓይልታት ምድሪ ኣፍሪቃ ኣብ አዲስ አበባ ተጀሚሩ


ዝተፈላለዩ ስግኣታት ድሕንነትን ብድሆታትን ንምምካትን ንምፍታሕን ኣሜሪካ ምስ ናይ ኣፍሪቃ መሻርኽታ ብፅንዓት ደው ከም እትብል ሓደ ላዕለዋይ ጀነራል ኣፍሊጦም።

መበል ሻሙናይ ጉባኤ ሓይልታት ሰራዊት ምድሪ ኣፍሪቃ ሎሚ ሶሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝጀመረሉ እዋን ናይ መኽፈቲ መደረ ካብ መንጎ ዘስምዑ ናይ ኣሜሪካ ጠቕላሊ ኣዛዚ ሓይልታት ምድሪ ጀነራል ማይክል ጋሬት ሰራዊት ኣሜሪካ እሙን መሻርኽቲ ብምዃኑ ዓቕሚ መሻርኽቲ ሃገራት ንምህናፅ ድልው እዩ ኢሎም።

“ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ሰራዊት ኣሜሪካን ናይ ኣፍሪቃ መሻርኽትናን ብዝፈፅምዎም ስራሓት ኣዚየ እኾርዕ።ንመጻኢ እውን ብሩህ ተስፋ ይርኣየኒ።ሚንስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ ብስልጠናን ምኽርን ንምሕጋዝ ናይ ድሕንነት መሻርኽቲ ብርጌድ መዲቡ’ሎ።እቲ ብርጌድ ምስ ኣፍሪቃ ዘለና ምሕዝነት ዘሐይል እዩ።”

ፍሉይ ስግኣት ድሕነትን ፈተናታትን ኣፍሪቃ ዝገለፁ ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል ጠቕላሊ ኤታማዦር ሌተናል ጀነራል ኣደም መሓመድ እዮም።

“ሎሚ ስትራቴጂካዊ ረብሓ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ጠመተ ዝረኸበ ኮይኑ’ሎ።ሓያላት ሃገራት ዓለም ወታሃደራዊ ትሕዝቶታተን ኣብታ ኣህጉር ኣብ ምስፍሕፋሕ ይርከባ።ግብረሽበራ፣ጥሩፍ ጉጅለታት፣ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባት፣ከተርቲ ባሕርን ዝተወደቡ ሸፋቱን ከምኡ እውን ካልኦት ዘይስሩዓት ተዋሳእቲ ቦታ እናደለዩ ንድሕነትና ኣብ ምብዳህ ይርከቡ።”

እዚ ጉባኤ ኣብ 2010 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝጀመረ ኮይኑ ስዒቡ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ተኻይዱ’ሎ።ሎሚ ኣብ አዲስ አበባ ዝጀመረ ጉባኤ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝፀንሕ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG