ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 71 ዓመት መዓልቲ ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት አብ አዲስ አበባ ተዘኺሩ


ፕረዚደንት ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ወ/ሮ መዓዛ ኣሸናፊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ብምኽባርን ክኽበር ብምግባርን ዓለምለኸ ግቡኡ ክፍጽም፣ልዕልና ሕጊ ብምስፋን ድሕነት ዜጋታቱ ክሕልውን ኣለዎ ኢለን ።

መበል 71 ዓመት መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ምኽንያት ብምግባር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ንሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ስቪክ ማሕበራትን ብሓባር ኣብዘዳለውዎ መድረኽ መደረ ዘስምዓ ወ/ሮ መዓዛ ኣሸናፊ ከምዚ ኢለን።

“ኣብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘሎ ፀገም ፈፂምና ብትዕግስቲ እንሪእዮ ኣይኮነን።መንግስቲ በዚ መዳይ ብዕቱብ ክሰርሕ ከምዘለዎ ኩላትና እንሰማምዐሉ እዩ።”

ኣብቲ መድረኽ ዝቐረበ ናይ ሓባር መግለፂ ኣብ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ዝተፈጥሩ ግጭታት ዝጥፍአ ህይወት፣ጉድኣት ኣካል፣ምዝንባል ሰባት፣ዕንወት ንብረትን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት እናተጋደደ ምምፅኡ ናይ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባርን ናይ ፍትሒ ሕቶታት ናይ ምምላስ ተኽእሎ ፈተነ የጋጥሞ’ሎ ይብል ።ዜጋታት ንዝኸፍአ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ይቓልዑ ምህላዎም ዝምልከቶም ኣካላት ሕጊ ከኽብሩ፣ኣብ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፉ ውልቀሰባትን ትካላትን ብቕልጡፍ ተሓተቲ ክገብሩ እቲ መግለፂ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብቲ መድረኽ “ሰላምን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብድሆታት፣ዕድላትን ዓወታትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእሰቲ ዝቐረበ ፅሑፍ ምይይጥ ተኻይዱ’ሎ።

XS
SM
MD
LG