ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 64 ዓመታዊ ሽልማት ግራሚ ተኻይዱ


ካብ ተዓወቲ መበል 64 ዓመታዊ ሽልማት ግራሚ
ካብ ተዓወቲ መበል 64 ዓመታዊ ሽልማት ግራሚ

መበል 64 ዓመታዊ ሽልማት ግራሚ ትማሊ ኣብ ላስቨጋስ ተኻይዱ።

"ንሕና ኢና" ፡ ትብል ኣልቡም ጆን ባቲሲ ናይ`ዚ ዓመት ብልጽቲ ኣልቡም ኮይና ክትዕወት ከላ፡ 'ሲልክ ሶኒክ`' ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጡ፡ ብሩኖ ማርስን ኣንደርሰንን ዝተጻወትዋ `ሊቭ ዘ ዶር ኦፕን' ትብል ደርፊ ድማ ናይ`ዚ ዓመት ብልጽቲ 'ሪኮርድ' ተባሂላ ተሸሊማ`ላ።

ጆን ባቲሲ ብዘይካ`ታ ብ'ብላክ ላይፍ ማተር'( ህይወት ጸሊም`ውን ኣገዳሲ`ዩ) ተበጋጊሳ ዝተዓወተት ኣልቡሙ፡ 'ፍሬዶም' ማለት ነጻነት ትብል ናይ ቪድዮ ሙዚቅኡ`ውን ተዓዋቲት ኮይና`ያ።

ካልእ ኣብቲ ናይ ትማሊ ምሸት ሽልማት ግራሚ ዝተዓወቱ፡ ጓል 19 ዓመት ኦሊቪያ ረድሪጎ 'ድራይቨርስ ላይሰንስ' ማለት 'ፍቓድ መዘወሪ` ብእትብል ዜማኣ፡ ናይዚ ዓመት ብልጽቲ ሓዳስ ደራፊት ተባሂላ ክትሽለም ከላ፡ ለይዲ ጋጋን ቶኒ በነትን ድማ ብዝበለጸ ባህላዊ ናይ ፓፕ ጸወታ ተሸሊሞም ኣለዉ።

ኣብ መንጎ`ቲ ስነ-ስርዓት ሽልማት፡ ነቲ መድረኽ ዝመርሕ ዝነበረ ትረቨር ኖዋ፡ ንፕረዚደንት ዩክሬን ዘለንስኪ ብቪድዮ መልእኽቲ ከሕልፍ ድሕሪ ምልላዩ፡ ዘለንስኪ ኣብቲ መልእኽቱ፡ "ብድሕሪ`ዚ ሙዚቃ፡ኣንጻራዊ ዕንወት ከተማታትን ሞት ሰባት`ውን ኣሎ" ድሕሪ ምባል "ነቲ ስቕታ ብሙዚቃኹም ምልእዎ፡ ብዝክኣለኩም ሓግዙና፡ ስቕ ግን ኣይትበሉ" ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ።

ኣላዪ መድረኽ ሽልማት ግራሚ ዝነበረ ትረቨን ነዋ፡ ነቲ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ሽልማት ኦስካር፡ ዊል ስሚዝ ናብ መድረኽ ደይቡ ንኮመዲያን ክሪስ ሮክ ነሰበይተይ ጸሪፍካ ኢሉ ጉንዲ እዝኑ ዝጸፈዓሉ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው "እዚ ምሸት ሽልማት ንዕድለሉ ምሸት`ምበር፡ ስም ነልዕለሉ ኣይኮነንዕ ኢሉ`ዩ"።

XS
SM
MD
LG