ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተኸቢሩ


ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጀመረሉ ሓደ መስከረም፡ ኣብ ኤርትራ ተዘኪሩ ከም ዝወዓለ ልኡኽና ካብ ኣስመራ ጸብጺቡ። ኣብቲ ብድሮ እቲ በዓል፡ ማለት፡ 31 ነሓሰ ኣብ ኣደራሽ ሲነማ ሮማ ዝተኻየደ ጽንብል ዝኽሪ፡ ነቲ ዕለት ዘዘኻኽሩን ንምምጻእ ናጽነት ዝነበረ ጕዕዞ ዘነብጸባርቑን በበይኖም ባህላዊ ምርኢታት ቀሪቦም።

ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን’ውን ብምኽንያት እቲ በዓል መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ። እቲ መግለጺ፡ ኤርትራን ህዝባን ዝሓለፉዎ ቃልሲ ንህላወ ድሕሪ ምዝርዛር፡ “ኣልማዛዊ ኢዮቤል ክንጽንብል ከሎና እምበኣር፡ ንባሕቲ መስከረም ከም ኣውድ-ዓመት መብጽዓ መጠን፡ መብጽዓታት ሰውራና ብምኽባር፡ ሓርነትና ዓቂብና፡ ንኤርትራ ከም ፍትሕን ልምዓትን ራህዋን ዝሰፈና ሃገር ንኽንሃንጻ መብጽዓና ከነሐድስ ግቡእ’ዩ፡” ኢሉ።

ብረታዊ ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1961 ብእድሪስ ዓዋተ ኣብ ዞባ ባርካ ኣብ ጎባ ኣዳል ከምዝተጀመረ ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ።

XS
SM
MD
LG