ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 48 ዓመት ፌስቲቫል ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ተኸቢሩ


መበል 48 ዓመት ፌስቲቫል ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ተኸቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:47 0:00

መበል 48 ዓመት ፌስቲቫል ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ተኸቢሩ

መበል 48 ዓመት ፌስቲቫል ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ከተማ ባልቲሞር ክኽበር ቀንዩ። እቲ በዓል ዓመታዊ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ክተተኣናግድ ዝተሓርየት ከተማ ብዝተፈላለዩ እዋናዊ ሃገራዊ ዛዕባታትን ምንቅስቃ፟ስ እታ ማሕበር ዝጥምቱ ገምጋማትን ምድላዋትን ይካየድ።

እዚ ናይ ሎም ዘበን ፌስቲቫል 'ህዝቢ ትግራይ ይቃለስ እምበር ኣይምብርከኽን' ብዝብል ቴማ ዝተኸበረ ኾይኑ ዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ምድላዋት፣ ዝተፈላለያ ጉባኤታትን ገምጋማትን ማሕበራት ፣ ካብ ወከልቲ መንግስቲ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ዝምልከትን ከምኡ'ውን መፃኢ ዕድልን ባህግን ትግራይ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ብምሁራትን ፍሉጣት ሰባትን መፅናዕታዊ ፅሑፋትን መብርሂን ዝተዋህበሎም መድረኻት ተሳሊጦም።

XS
SM
MD
LG