ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 40 ጉባኤ ኣፈጸምቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ተጀሚሩ


ህንጻ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ
ህንጻ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ

መበል 40 ጉባኤ ኣፈጸምቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ።

ኣብቲ ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፍዎ ዘለዉ ጉባኤ፡ ኣቦ- መንበር`ቲ ሕብረት ሙሳ ፋቂ፡ ብዛዕባ ጸቕጢ ኮሮናቫይረስ፡ ብዛዕባ ኣጀንዳታት ኣፍሪቃን ካልእን መብርሂ ሂቡ`ሎ።

ሙሳ ፋቂ ብዛዕባ ዝርኣይ ዘሎ ዝበሎ ናይ ጸጥታ ጸገም ፍሉይ ጠመተ ከምዘድልዮ`ውን ተዛሪቡ`ሎ።

ኣተሓሒዙ፡ ብፍላይ ብመዳይ ጸጥታ ነታ ኣህጉር ዝሕምሱ ዘለዉ ዕልዋታት መንግስትን ውሽጣዊ ግጭታትን ንትካላዊ ምስሊ ኣፍሪቃ ምድዋኑ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ጉባኢ ትርር ዝበለ ረቂቕ ውሳነ ከምዝቐርብ`ውን ወግዓዊ ጌሩ`ሎ።

እቲ መበል 40 ጉባኤ ኣፈጸምቲ ኣፍሪቃ፡ ጽባሕ ሓሙስ`ውን ኣብ ዕጹው ማዕጾ ኣኼብኡ ክምዝቕጽል እቲ ወጺኡ ዘሎ መደብ የመልክት።

XS
SM
MD
LG