ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 28 ዓመት ዓወት 20 ግንቦት ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ኣክሱም ብድምቀት ተኸቢሩ


ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎሚ ዓመት በዓል ዓወት 20 ግንቦት እንትኽበር: ብሄር ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ ካብ ሓደጋ ምፍራስ: ዕንክሊልን ቅልውላውን ክትወፅእ ሓቢርና ክንቃለስ ይግባእ ኢሎም::

ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ኣክሱም ኣብ ዝተኸበረ: ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ መንግስቲ ዝመፅአሉ በዓል "20 ግንቦት" ንምዝካር ኣብ ዝተዳለወ ጽንብል ነበርቲ’ታ ከተማ: ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም: ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ክልልን ተረኺቦም ኔርም::

ምክትል ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ከተማ ኣክሱም ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ጎደና ዕብየት ትርከብ ክብሉ ተዛሪቦም:: እዚ ድማ ኣካል ውፂኢት እቲ ዓወት እዩ ኢሎም:: ናይ ክብሪ ጋሻ እቲ በዓል ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዘስምዕዎ ዘረቦ እንኳዕ ንመበል 28 ዓመት በዓል ዓወት 20 ግንቦት ኣብፀሐኩም ብምባል: ገዛእቲ ንግዚያዊ እምበር ንኩሉ ጊዜ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከምዘይዕንድሩ ዘርኣየ ብምዃኑ ዓወት 20 ግንቦት ንክንማሃረሉ ክንዝክሮ ዝግባእ በዓል እዩ ክብሉ ተዛሪቦም::

እዚ ዓወት ውፅኢት ቃልሲ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኮይኑ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናይቲ ቃልሲ ጫፍ ብልሒ ብምኳን ኣዕዊትዎ ኢሎም:: እቶም ምክትል ምምሕዳር ኣብ ዘረቦም ኣብ ኢትዮጵያ ኣሎ ብዛዕባ ዝበልዎ ፀገም ፖለቲካ እውን ኣልዒሎም እዮም::

"ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ሕገመንግስታውን ፌዴራላዊ ስርዓት ንምፍራስ ይስራሕ ኣሎ: ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እውን ሰላም ርሒቑ ዜጋታት ይመዛበሉ ኣለዉ” ድሕሪ ምባል ንህዝቢ ትግራይ እውን 'ንኹሉ ነገር' ተዳሎ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም::

ዶ/ር ደብረጽየን ቀጺሎም ኣብቲ ክልል ስራሓት ዴሞክራታይዜሽንን ጉዳይ ምርግጋፅ ማሕበራዊ ፍትሒን ጠመተ ሂብና ክንሰርሐሉ ኢና ኢሎም:: ህዝቢ ትግራይ ንኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘኽብር: ምስ ዝኾነ ክበኣስ ዘይደልይ እዩ ክብሉ ድማ ተዛሪቦም:: ድልየትን ረብሓን ህዝብታት ሓደ ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ድማ ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ይኹን ካልኦት ዘዛምዶ እምበር ዘፃልእ ዋላ ሓደ ጉዳይ የብሉን ኢሎም::

"ህዝቢ እናናቖሩ ስልጣን ክሕዙን ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ዝደልዩ ሓይልታት ክንቃለሶም ይግባእ። ምስ ኤርትራውያን ብሓባር ብምዃን ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ነኽብር ኢና" ዝብሉ እቶም ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ እዚ ናይ ዓወት በዓል: ናይ ኤርትራውያን እውን እዩሞ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኢሎም:: ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ረብሓ ክልቲኡ ህዝቢ ብዘረጋግፅን ብዝተማልአ ስርዓት ክኸይድ ንምግባር ብፂሕትና ክነበርክት ኢና ኢሎም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG