ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ተዘኪሩ ውዒሉ


ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር ዝርከቡ ኤርትራዊያን መበል 28 ዓመት በዓል ነፃነቶም የኽብሩ ኣለው።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ኣብ ስታድየም ኣስመራ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ቴማ ጽንብል ናጽነት 2019፡ ድርብ ጽንዓት ንዝለዓለ ዕብየት ዝብል`ዩ -ምኽንያቱ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍሉይ ጽንዓቱ ዳግም ተዓዊቱ መሰስ ዝበለሉ ታሪኻዊ መላግቦ ስለ ዝኾነ እዩ ኢሎም።

ኣተሓሒዞም ዋና ትኹረትና ነዚ ዘለና ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ናብ ዘመናውን ምዕቡል ኢንዱስትሪያዊ ቁጠባ ንምቕያርን፡ ኣብ ዓይነት ህይወት ህዝብና ነባሪ ዝኾነ ለውጢ ምምጻእን`ዩ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናይ እንዃዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ልኢኾም።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ መልእኽቶም ንዓመታት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ርክባት ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሓባራዊ ምትእምማንን ድልየትን ምቕፃሉ ዝተሰምዖም ታሕጓስ ገሊፆም።

ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ እውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ልኢኸን።ናይ ሶማሊያ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ልኢኾም፤ኣብ መንጎ ሃገሮምን ኤርትራን ዘሎ ርክብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ከምዝብል ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን እውን ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ እንዃዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ኣሒልፎም ኣለው።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ወሲኽካ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙን ዝድግፉን ሰልፍታትን መደባትን ክካየዱ ውዒሎም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መበል 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ተዘኪሩ ውዒሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:30 0:00

XS
SM
MD
LG