ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 27 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ተኸቢሩ ውዒሉ


ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እንኮ ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ዕምሩ ናብ ምሕጻር ገጹ ይኸይድ ኣሎ ኽብል ሎሚ ኣብ ዘስሞዖ ሃገራዊ መደረ ገሊጹ።

ብምኽንያት መበል 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ኢሳያስ ዘለናዮ ርቡጽ ኩነታት ናብ ብዙሕ ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ዘሰጋግር’ዩ ዝብሉ ብዙሓ ኣለው። ድሕሪ ምባል ቀንዲ ዘገድስ ግን ዘቤታዊ ሓይሊ’ዩ ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣተሓሒዙ ንደርማስ ልምዓታዊ ተበግሶ ብኣእምሮን ብአካልን ክንዳለው አለና ድሕሪ ምባል ኣብ ሕርሻ ዘሎ መደባት መንግስቲ ካብ ዝጠቐሶ ጽላታት ሓደ ኔሩ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ናይ ሎሚ መደረኡ ብዛዕባ አገዳስነት ተሳታፍነት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ብምጥቃስ መደረኡ ዛዚሙ።

ብዛዕባ ፖለቲካዊ መስርሕ እታ ሃገር ኣይተዛረበን።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ መንግስትን ህዝብን ኣሜሪካ ብምውካል ርሑስ መበል 27 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ንህዝብን መንግስቲ ኤርትራ ክብል ናይ ሰናይ ትምኒት መልእኽቱ ልኢኹ’ሎ። ብተወሳኺ እቲ መልእኽቲ ናይ ሓባር ክብርታትና ንህዝብታት ክልቲኣን ሃገራት ዘቐራርብ ኽከውን ተስፋ ንገብር ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:42 0:00

XS
SM
MD
LG