ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 22 ግጥማት ፊፋ ዋንጫ ዓለም ቐጠር


መበል 22 ግጥማት ፊፋ ዋንጫ ዓለም ቐጠር
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:00 0:00

መበል 22 ግጥማት ፊፋ ዋንጫ ዓለም ቐጠር

ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ርብዒ ፍጻመ፣ ፈረንሳ ንእንግሊዝ 2 ብ 1፣ ሞሮኮ ንፓርቱጋል 1 ብ 0፣ ክሮኤሽያ ንብራዚል ብፍጹም ቅላዕ መቅጻዕቲ፣ ኣርጀንቲና ንሆላንድ ብፍጹም ቅላዕ መቅጻዕቲ ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍጻመ በቂዔን አለዋ።

ጽባሕ ሰሉስ ኣርጀንቲና ምስ ክሮኤሽያ፣ ድሕሪ ጽባሕ ረቡዕ ሞሮኮ ምስ ፈረንሳ ክጋጠማ እየን። ዝተዓወታ ሰንበት ንጽዋዕ መን ዓተረ፣ ዝተሳዓራ ክልተ ጋንታታት ኣብ ስታድየም ከሊፋ ንሳልሳይ ደረጃን ሽልማት መዳልያ ቀዳም ክጋጠማ እየን።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ንመበል23 ግጥማት ዋንጫ ዓለም ንከዳልዋ ብፊፋ ተመሪጸን ዘለዋ ሰለስተ ሃገራት ኣመሪካ፣ ካናዳን ሜክሲኮን ተሓባቢረን ከዳልወኦ እየን። ካብ ካናዳ፣ ከተማታት ቶሮንቶን ቫንኩቨርን፣ ካብ ኣመሪካ፣ 11 ከተማታት፣ ኣትላንታ፣ ቦስተን፣ ዳለስ፣ ህዩስተን፣ ካንሳስ ሲቲ፣ ሎስ ኣንጅልስ፣ ማያሚ፣ ኒውዮርክ፣ ፍላድልፍያ፣ ሳን ፍራንሲስኮን ሲኣትልን፣ ካብ ሜክሲኮ ድማ ጎዳልሃራ፣ ሜክሲኮ ሲቲን ሞነርይን ክኾና እየን።

ክሳብ ሎሚ ናብ ጽዋዕ ዓለም ይሓልፋ ዝነበራ 32 ሃገራት ነይረን።ብመሰረት ውሳነ ፊፋ ካብ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ጀሚሩ፣ እቲ ብዝሒ ካብ 32 ናብ 48 ሃገራት ክብ ክብል እዩ ።

XS
SM
MD
LG