ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 18 ዓመት መጥቓዕቲ መስከረም 11 ኣሜሪካ ተዘኺሩ ውዒሉ


ኣሜሪካዊያን ንመበል 18 ዓመት ኣብ ኒው ዮርክ፣ቨርጂንያን ፔንስለቨኒያን ንዝተፈፀመ ንኣስታት 3,000 ሰባት ዝቐተለን ግብረሽበራዊ መጥቓዕቲ ዘኪሮምዎ ውዒሎም።

ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ በዓልቲ ቤቶም ቀዳማዊት እመቤት መላንያ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ንዝተኻየደ ናይ ሕሊና ፀሎት መሪሖም ኣለው።

ፕረዚዳንት ትራምፕ ንስድራቤት ኣብ ቤት ጽሕፈት ምክልካል ኣሜሪካ ፔንታጎን ዝተቐትሉ 184 ሰባት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “እቲ ዕለት ብስንባደ፣ብስቓይ፣ብሓዘንን ዝተመልአ እዩ ነይሩ’’ኢሎም ።

“ፈፂምና ከምዘይርስዖም ድማ ቃልና እነሕድሰሉ እዩ’’ ብምባል ንስድራ ግዳያት ኣረጋጊፆምሎም።

ኣብ ኒውዮርክ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ፣ስድራ ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝተቐትሉን ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ መንታ ህንፃታት ማእኸል ንግዲ ዓለም ብምእካብ ነቲ ዕለት ዘኪሮም።

ምኽትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ድማ ኣብ ሻንክስቪል ፔንስለቨኒያ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ተሳቲፎም ኣለው።

ምስ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣልቃይዳ ርክብ ዘለዎ 19 ደቂ ተባዕቲዮ ንኣርባዕተ ነፈርቲ ብምጭዋይ መጥቓዕትታት ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ፈፂሞም።መጥቓዕቲ 11 መስከረም ኣሜሪካ ኣብ ፀጥታ ዘለዋ ኣርኣእያ ብነባሪነት ክቕየር ዝገበረን ሽዑ ፕረዚደንት ዝነበሩ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ኣብ ልዕሊ ግብረሽበራ ኲናት ክእውጁን ንኣፍጋኒስታን ክወሩን ዘገደዶም ፍጻመ ኔሩ።

ኣሜሪካ ዝምራሕ ሓይልታት ጥምረት ንጣሊባን ካብ ስልጣን ኣወጊዱ እቲ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ዝነውሐ ግጭት ሕጂ እውን ቀፂሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG