ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 1495 ዓመት ልደት ነብዩ መሓመድ \መውሊድ\ ተኸቢሩ


በዓል መውሊድ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን
በዓል መውሊድ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን

መበል 1495 ዓመት ልደት ነብዩመሓመድ \መውሊድ\ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓብዪ መስጊድ ኣንዋር ተኸቢሩ።

ናይ ኢትዮጵያ እምነት እስልምና ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ፕረዚደንት ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ ኣብቲ በዓል ኣብ ዘመሓለፉዎ መልእኽቲ ንበዓል መውሊድ ነኽብሮ ንኣስተምህሮ ነብይ መሓመድ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ኣብነቱ ብምቕፃልን እዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያዊያን ብዓሌት ኣብ ክንዲ ምክፍፋል ሓድነቶም ከሓይሉ ፀዊዖም።ኣብቲ ስነርስዓት ዝተረኸባ ምኽትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ብወገነን ሙስሊም ማሕበረሰብ ኣንፃር ኮሮናቫይረስ ንምምካት ዘርኣዮ ምትሕብባር ኣመስጊነን ።

ብተመሳሳሊ በዓል መውሊድ ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብርሕቐት ምኽባሩ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣብ ትዊተር ገጹ ዘስፈሮ መልእኽቲ ሓቢሩ'ሎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት መደረ ዘስምዑ ወኪል ሙፍቲ ሸኽ ሰሊም ኢብራሂም ንኩሎም ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተኻፈሉ ብምምስጋን ኤርትራ ኣብ ምቁጽጻር ቫይረስ ኮሮና ትሰርሖ ዘላ ስራሕ ንምቅጻል ህዝቢ ትዕግስቲ ክገብር ጸዊዖም።

XS
SM
MD
LG