ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 1442 ዒደ-ኣልፈጥር ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኸቢሩ ውዒሉ


መበል 1442 ዒደ-ኣልፈጥር ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሎሚ ተኸቢሩ ውዒሉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስታድየም ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ሰላት፥ መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕረዚደንት ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሙፍቲ ሓጅ ኢድሪስ፥ ሕብረተሰብ ሙስሊም ንዝተጸገሙ ወገናት ምሕጋዝ ናይ ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮ ግዴታ'ዩ ኢሎም።

ወርሒ ሮመዳን፡ ኣብ ሙስሊም ማሕበረሰብ ናይ ሰላም ናይ ፍቕሪ ናይ ምትሕልላይን ሓቢርካ ምንባርን ወርሒ`ዩ ዝበሉ ሙፍቲ ኢትዮጵያ፡ ብሓድነትና ደው እንተኢልና ጸላኢ ቀዳድ ስለዝስእን፡ ሓድነትና ኣሐይልና ፈተውቲ ሰላም ህዝቢ ምዃና ብተግባር ክነመስክር ይግባእ ኢሎም።

ምኽትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ብወገና- ናይ እንቋዕ ኣብጽሓኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ ኣብ እዋን ጾም ሮመዳን ዝተዓሙ ሰናይ ተግባራት ብዝሓየለ ደረጃ ክቕጽሉ ሓቲታ። ምኽትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ"ናይ ሓባር ክብርታትናን ውሽጣዊ ሓድነትናን ኣትሪርና፡ ብኹሉ ሸነኽ ንዝግበረልና ጸቕጢ ክንከላኸል ኣለና" ኢላ ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ኤርትራ`ውን ኣብ ምልእቲ ሃገር ዒድልፈጥር ብልዑል ደረጃ ተኸቢሩ ምውዓሉ ተፈሊጡ`ሎ።

እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ሰላት-ንመምርሕታት ኮቪድ 19 ዝተኸተለ ምንባሩ ዝጠቐሰ ሚኒስትር ዜና የማነ ገብረመስቀል፡ ተተካኢ ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ሳሊም ኢብራሂም ንኣመንቲ ምስልምና ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ ሰናይ መልእኽቶም ምትሕልላፎም ጠቒሱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG