ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 14 ዓመት መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባት ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሎሚ ተዘኺሩ ወዒሉ


ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ወ/ሮ ሳህለወርቅ ዘውዴ ሰላም ድሕነት ሃገር ልዕሊ ኹሉ እዩ፣ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ሓድነትን ሃገራዊ ምርድዳእን ክፍጠር ኣለዎ ክብላ ሎሚ ኣብ ዝተዘኸረ መበል 14 ዓመት መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ገሊጸን።

መበል 14 ዓመት መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባት ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ስታዲዮም ኣዲስ ኣበባ ዝተዘኸረ ኾይኑ ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተረኸባ ናይ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ብሰላም ንምንባር ድሕነት ሃገር ወሳኒ እዩ ኢለን።

“ካብ ናይ ዝሕላፈ ዓመት በዓል ጀሚሩ ሃገርና ብርክት ዝበሉ ፈተናታት ኣሕሊፋ’ላ።እዚ በዓል እዚ ዒላማ ዝተገብረሉ መደብ ንምዕዋት ገና ብዙሕ ከምዝተርፈና ኣብ ገሊኡ ድማ ንድሕሪት ዝተመለስልናሉ ኩነታት ከምዘሎ ሪኢና ኣለና።ስለዝኾነ ድማ ክሳብ ዝመፅእ ዓመት ሓድነትና፣ሕብረትና፣ኢትዮጵያዊነትናን ዘሓይሉ ውጽኢታት ንምምዝጋብ እቲ ስራሕ ሎሚ ክጅመር ኣለዎ።”

ኣብ ድሮ ናይቲ በዓል ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘድሃቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝቐረበሉ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ እቲ በዓል ሰናይ ልምድታት እንቐስመሉን ሓደ ካብቲ ካልእ ዝመሃረሉ መድረኽ እዩ ኢሎም ።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ እዚ ብዓል እዚ ዕዉትን ናይ ብልፅግናን ክኸውን እዩ ብምባል ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ከምዚ ኢሎም።

“ደጋጊምና ከምዝበልናዮ ኢትዮጵያ ኣይትብተንን እያ።ተወልዶ ኦሮሞ ዝኾርዑላ፣ኣምሓሩ ዝኾርዑላ፣ተጋሩ ዝኾርዑላ፣ተወላዶ ሶማል፣ዓፋር፣ወላይታ፣ሃዲያ፣ሲዳማን ካልኦትን ዝኾርዑላ ናይ ኩላትና ብማዕረ ትብጽሓና ገዛና ክትኸውን እያ።ሎሚ ዝርአ ዘሎ ዝኾነ ይኹን ሓጎፅጎፅ እናተፈትሐ ብሰላም ብፍቕሪ ሓቢርና እንነብረላን ሓዳሽ ኢትዮጵያ እንሃንፀሉ ከምዝኸውን ከረጋገፅለኩም እደሊ፤ሰናይ በዓል፣የመስግን።”

ናይቲ ስነ ስርዓት ኣዳላዊ ክልል ኦሮሚያ ምኽትል ፕረዚደንት ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ንኣጋይሽ ናይ እንኳዕ ድሓን መፃሕኹም መልእኽቲ ብምስማዕ ኣብ እዋን ስግግር ዝለዓለ ብድሆ እንተጋጠሙና እውን ተስፋ እውን ይርኣየናሎ ኢሎም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተኻየደ ስነ ስርዓት እቲ በዓል ናይ ብሄር ብሄረሰባትን ዝተፈላለዩ ባህላዊ ምርኢታት ቀሪቦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG