ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 14 ኮንፈረንስ ቅዱስ ያሬድን ቋንቋ ግእዝን ኣብ ከተማ ኣክሱም ተኻይዱ


መበል 14 ኮንፈረንስ ቅዱስ ያሬድን ቋንቋ ግእዝን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ኣክሱም ተኻይዱ።

ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሐ እዚ መርሃግብር ኣብ ስራሓት ቅዱስ ያሬድን ቋንቋ ግእዝን ጠመተ ዝገበሩ ብሳይንሳዊ መንገዲ ዝተኻየዱ ምርምራትን መፅናዕትን ብተወሳኺ ምሁራን ቤተ ክርስቲያን’ውን ፅሑፍት ኣቕሪቦም::

ስርሓት ቅዱስ ያሬድ ንምዝካርን ካብ ናቱ ስራሕ ነዚ ዘመን ዝምጥን ትምህርቲ ንምርካብን: ብቋንቋ ግእዝ ዝተፅሓፉ ጥንታዊ ፅሑፋት ድማ መፅናዕቲ ክካየደሎም ዝተለመ ዋዕላ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣርባዕተ ተኸታታሊ መዓልታት ኣብ ከተማ ኣክሱም ተኻይዱ::

እቲ መድረኽ 1500 ዓመታት ዘቑፀሩ ስራሓት ቅዱስ ያሬድ ንዓለም ንምልላይ’ዩ ተዳልዩ ክብላ ምክትል ሓላፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ወይዘሮ ዘነቡ ሓለፎም ሓቢረን::

ብኣክሱም ዩኒቨርሲቲ ዝተዳለው ስርሓት ቅዱስ ያሬድን ብቋንቋ ግእዝ ዝተፅሓፉ ድርሳናት ብሳይነሳዊ መንገዲ ምርምር ዝተኻየደሎም ፅሑፋት ኣብቲ መድረኽ ዝቐረቡ ክኾኑ ከለው ብቢሮ ባህልን ቱሪዝም ትግራይ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ድማ ምሁራን ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ኣብ ቅዱስ ያሬድን ቋንቋ ግእዝን ጠመተ ዝገበሩ ፅሑፋት ኣቅሪቦም::

ወይዘሮ ዘነቡ ከምዝገለፅኦ በብዓመቱ ዝካየድ እዚ መድረኽ ዝቐርቡ ፅሑፉት ይበዝሑ ምህላዎምን ተሳተፍቲ’ውን ይበራኸቱ ኣለዉ ኢለን::

መበል 14 ኮንፈረንስ ቅዱስ ያሬድን ቋንቋ ግእዝን ኣብ ከተማ ኣክሱም ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:02 0:00

ብቐፃሊ ተመሳሳሊ መድረኽ ብምድላው ብቋንቋ ግእዝ ዝተፅሓፉ ጥንታዊ ፅሑፋት ተተርጉሞም ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ፍልጠታት ኣብ ረብሓ ንምውዓል ብዝሓየለ መንገዲ ክስራሕ እዩ ክብላ ተዛሪበን::

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣተሓባባሪን መስራትን ማእኸል ቅዱስ ያሬድ ዶክተር ኣብርሃ ሓጎስ ኣብ ቋንቋ ግእዝ ተፃሒፎም ዝርከቡ ሃገር ቦቀል ፍልጠት ኣለዉ እዮም: ነዚኦም ብመፅናዕትን ምርምር ክወፁ ብምግባር ክንጥቀመሉ ይግባእ ክብሉ ሓቢሮም::

ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ያሬድ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ኣክሱም ምርኢት ጎዳና’ውን ተኻይዱ እዩ።

መሳርሕታት ዜማ ቅዱስ ያሬድ ናይ ግእዝ ፅሑፋት፣ ሃይማኖታዊ መዝሙርን ኣቋቋም ዘርእዩ ኣብቲ ናይ ጎደና ምርኢት ቀሪቦም ኔሮም::

ኣብቲ በዓል ካብ ኩሎም ክልላትን ከተማ ምምሕዳራት ሃገረ ስብከት ተወከልቲ ዝመጹ: ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ምሁራንን ምስታፎም ተፈሊጡ’ሎ::

መዘከርታ ሓውልቲ ቅዱስ ያሬድ ንምህናፅ ድማ እምነ ሰረት ተነቢሩ እዩ:: እቲ ሓወልቲ ሓደ በዓል ሃብቲ ብዝመደብዎ 2 ሚሊዮን ብር በጀት ከምዝስራህ’ውን ኣብቲ አጋጣሚ ተሓቢሩ።

ብካልእ ዜና ኣብ ሓለዋ ሓድግታት ጠመተ ዝገበረ ሃገርለኸ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ተኻይዱ::

ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ሓድግታት ኣክሱም ካብ ሓደጋ ንምድሓን መንግስቲ ጠመተ ሂቡ ይሰርሕ ኣሎ ክብላ ሚንስትር ባህልን ቱሪዝም ዶክተር ሂሩት ካሳ ተዛሪበን።

ብፍላይ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት መፍትሒ ዘይረኸበ ጉዳይ ሓውልቲ ኣክሱም እቲ ሓድጊ ካብ ጉድኣት ንምድሓን ፍሉይ ጠመተ ሂቡ መንግስቲ ይንቀሳቐስ ኣሎ ኢለን:: ንስራሕቲ ፅገና ድማ በጀት ከምዝተመደበሉ ሓቢረን::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG