ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 127 ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ይኽበር ኣሎ


ኢትዮጵያ ኣብ ዓድዋ ንወራር ጣልያን ዝሰዓረትሉ መበል 127 ዝኽሪ ዓመት ዓድዋ፡ ሎሚ ኣብ በበይኑ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተኸቢሩ ከም ዝወዓለ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ልኢኾም።

ኣብ ኣዲስ-ኣበባ እቲ ህዝባዊ በዓል ኣብ መስቀል ኣደባባይ ክበዓል እንከሎ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽባ ፕረዚደንት ሳህለ-ወርቅ ዘውደ፡ “ዝኽሪ በዓል ዓድዋ ኣጋጣሚ ብምግባር፡ ነቲ ዕለት ከም መተኣሳሰሪናን ሓባራዊ ውህደትትና ክንጥቀመሉ ዘዘኻኽር’ዩ፡" ኢለን።

ኣብቲ ኲናት 1896 ዝተኻየደሉ ከተማ ዓድዋ፡ እቲ ጽንብል ንሰለስተ ዓመታት ብኣካል ካብ ምኽባር በዂሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ናብ ንቡር ተመሊሱ ነጋድያን እቲ በዓል ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ተኸቢሩ ኣሎ።

ይዅን እምበር፡ ንኣበዓዕላ እዚ ዕለት ዝምልከት ኣብ ኣዲስ-ኣበባ መጠናዊ ጎንጺ ምንባሩ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ-ኣበባ ልኢኾም። እቲ ዝኽሪ ነዊሕ ዓመት ይበዓለሉ ኣብ ዝነበረ ምነሊክ ኣደባባይ፡ ብሰንኪ ካብ ቀረባ እዋናት ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ክብሪ እቲ ዕለት ምሃብ፡ ዝርአ ዘሎ ምፍሕፋሕ፡ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ብምጥቃም ኣሽሓት በጻሕቲ ንኽበትኑ ገይሩ። ፖሊስ ኣዲስ-ኣበባ ካብቲ ክስዕብ ዝኽእል ጎንጺ ንምዕጋት’ዩ በጻሕቲ ናብ ኣደባባይ ምነሊክ ካብ ምኻድ'ውን ከልኪሉ።

XS
SM
MD
LG