ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 125 ዓመት በዓል ዓድዋ ተኸቢሩ


መበል 125 በዓል ዓድዋ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸቢሩ። ሎሚ 23 ለካቲት ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝተረኸባሉ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ጽንብል ብዙሕ ህዝቢ ተረኺቡ ምንባሩ'ውን ተሓቢሩ'ሎ።

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዓወት በዓል ዓድዋ ኢትዮጵያዊያን ብዘይኣፈላላይ ተሰሊፎም ኢትዮጵያ ንክትኽበር ዝገበርሉ ምዃኑ ኣዘኻኺረን ።

ንሰን ወሲኸን ንኣፍሪቃ ናይ ምምቕራሕ ናይ ኣውሮጳዊያን ሕልሚ ኣብ ግብሪ እንተተዝውዕል ነይሩ ሎሚ ፀሊም ህዝቢ ርእሱ ኣይመቕንዐን ነይሩ ሎሚ ዘሎ ኣቀማምጣ መሬት፣ ባህልን ቋንቋን ኢትዮጵያ ኣይምሃለወን ነይሩ፤ኩሉ ነገር ድማ ትሕቲ ሃገር እዩ ኢለን።

"ምስጢር በዓል ዓድዋ ኢትዮጵያዊያን ዝነበሮም ሓድነትን ምትሕስሳብን ፅንዓትን ሓቦን ልዕሊ ኩሉ ድማ ንኢትዮጵያ ዝነበሮም ፍቕርን ተኣማንነትን እዩ።እዚ ዘለኣለማዊ ክንገብሮ ይግባእ።ኢትዮጵያ ልዕሊ ውልቀሰብ፣ጉጅለ፣ፖለቲካ ፓርቲ ወዘተ ምዃና ዘየደራደሩ ነይሮም።ሎሚ እውን ዝኾነ ይኹን ነገር ትሕቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ኣሚናን ናይሃገርና ሰላምን ልምዓትን ብሓባር ጠጠው ክንብል ኣለና "ኢለን።

ዓወት ዓድዋ ቅድሚ 125 ዓመት ኣብ 1888 ዓ\ም ወራሪ ሓይሊ ጣሊያን ንኢትዮጵያ ንምቁፅፃር ኣብ ዓድዋ ተደምሲሱ ዝተስዓረሉ እዩ ።

XS
SM
MD
LG