መበል 124 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ሎሚ ኣብ ከተማ ዓድዋ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ካልኦት ላዕለዎት አመራርሓን ኣብ ዝተረኽብሉ ብድምቀት ተኸቢሩ::
እተን ፕረዚደንት ኣብ ዘስምዕኦ ዘረባ ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያውያን ኣብ እዋን ፀገም እውን ንናይ ደገ ወፃኢ ከምዝምክቱ ዘርኣየ እዩ ኢለን::
ቐፂለን እተን ፕረዚደንት ንሓድነትና ዝፈታተኑ ጉዳያት ኣለዉሞ ኣብዚ ሐጂ እዋን ካብ ካልእ እዋን ንላዕሊ መንፈስ ዓድዋ ክነሕድስ ይግበአና ክብላ ተዛሪበን::
ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብወገኖም ምትእትታው ናይ ወፃኢ ሓይልታት ኣብ ምክልኻል ካብ ዓወት ዓድዋ ክንመሃር ይግበአና ኢሎም: ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ግድብ ህዳሰ ጠሚቱ ስምምዕነት ንምፍርራም ይግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ዳግም ካልእ ጌጋ ንዘይምፍፃም ካብ ውዕል ውጫለ ክንመሃር ይግበአና ኢሎም::