ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 123 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ብድምቀት ተዘኪሩ


ብቀዳም ኣብ ዝተኻየደ በዓል ዓወት ዓድዋ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ከተማ ዓድዋን ከባቢኣን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብተወሳኺ ድማ ዜጋታት ዝተሳተፍሉ ነይሩ።

መበል 123 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብቲ በዓል ጠመተ ዝገበረ ናይ ሙዘቃ መድረኽ፣ ምርኢት ፎቶ፤ ዘተ ብተወሳኺ ድማ ውድድር ጉያን ጉዕዞ እግሪ ብምክያድ እዩ ተዘኪሩ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ብእግሪ ን53 መዓልታት ብእግሪ ተጓዒዞም ዓድዋ ካብ ዝበፅሑ ኣክሱማዊት ግርማ ሓንቲ እያ በቲ ጉዕዞ ሓድነት ህዝብታት ናሰብኽና ኣብ ዓድዋ በፂሕና ትብል።

ነባሪ ከተማ ዓድዋ ዝኾኑ ኣይተ ገብረዮውሃን ገብረእግዚኣብሄር ድማ በዓል ዓወት ዓድዋ ደሚቑ በብዓመቱ ከምዝኽበር ብምግላፅ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ይረአ ንዘሎ ፀገም ንፈትሖ ሓድነትና ብምሕያል እዩ ኢሎም።

ዶክተር ክንፈ ኣብርሃ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ስነ ህዝቢ እዮም ዓወት ዓድዋ ዓወት ህዝቢ እምበር ዓወት ውልቀ ሰባት ኣይኮነን ኢሎም ይዛረቡ።

ኣብቲ መድረኽ ዘረባ ዘስምዑ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዓወት ዓድዋ ዓቕሚ የብሎምን ተባሂሉ ዝዝረበሎም ህዝብታት ንሓባራዊ ዕላማ ተተላዒሎም ብሄር ይኹን ሃይማኖት ከይፈላለዮም ዘይግመት ውፅኢት ከመዝግቡ ከምዝኽእሉ ምስክር እዩ ኢሎም።

ኣከባብራ መበል 123 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ከተማ ዓድዋን አዲስ አበባን
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:27 0:00

ንሶም ወሲኾም እዚ ዓወት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዓቕሞም ኣዋዲዶም ዝተሳተፍሉ ናይ ኩሉ ህዝቢ ዓወት እዩ ክብሉ ገሊፆም። ብብዝሒ መሳርሒ፤ ህዝብን ዓድን ምጭቋን ከምዘይከኣል ድማ ዘመስከረ እዩ ኢሎም።

ዶክተር ደብረፅዮን ህዝቢ ትግራይ እውን እቲ ኲናት ዝተኻየደ ኣብ መሬቱ ብምዃኑ ልዑል መስዋእትነት ዝኸፈለሉ ዓወት እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ምስ ውዕል ውጫለ ኣተሓሒዞም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ምስ ወፃኢ ሃገራት የካይዶ ዘሎ ስምምዕ ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ ዘመላኽት እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

"ንኲናት ዓድዋ ኣብቲ ሽዑ እዋን መበገሲ ካብ ዝኾነ ውዕል ውጫለ እውን ግቡእ ትምህርቲ ክንቐስም ይግባአና። ምስ ወፃኢ ሃገራት ዝካየድ ስምምዕ ብጥንቃቐ ክፍፀም ከምዝግባእ፤ ኣብ ውዕል ዝሰፍሩ ናይ ቃላት ትርጉም ናይ ሓደ ሃገር ልኡላዊነት ኣሕሊፉ ክሳብ ምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ኲናት እውን ዘእትው ምዃኑ ተማሂርና ኩሎም ስምምዓት ሃፂፅካ ወይ ብዕሽተኝነት ዘይኮነስ፤ ብልዑል ጥንቃቐን ሓላፍነትን ኩሎም ወገናት ብምስታፍ ክፍፀም ከምዝግባእ ውዕል ውጫሌ የምህረና" እዮም ኢሎም።

ኣብ ዓድዋ ንዝህነፅ ፓን ኣፍሪካን ዩኒቨርስቲ ኩሉ ሓገዙ ከበርክት ይግባእ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን መንግስቲ ትግራይ ንህንፀት እቲ ዩኒቨርስቲ 250 ሚሊዮን ብር ንምብርካት ምውሳኑ ድማ ተዛሪቦም።

ፕረዝደንት ፌደራላዊት ዴሞክራስን ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ወ/ሮ ሳህለወርቅ ዘውዴ ናይ በዓል ናይ ክብሪ ጋሻ ብምዃን ኣብቲ መድረኽ ተሳቲፈን እየን። ንኩሎም ኢትዮጵያውያን ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምሕላፈን ዓወት ዓድዋ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ዓወት ኢትዮጵያውያን እዩ ኢለን። ድሕሪ ዓወት ዓድዋ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመፀ ለውጢ እንትገልፃ መንግስታት ወፃኢ ምስ’ዛ ሃገር ርክብ ንምጅማር ድልየት ዘርኣየሉ ኩነታት ምፍጣሩ ገሊፀን። ብተወሳኺ እቲ ዓወት ኣብ ካልኦት ሃገራት ፀረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምንቅስቓስ ንምጅማር መሰረት ኮይኑ ኢለን።ብሓድነት ደው እንተኢልና ፀገማት ምሕላፍ ከምንኽእል ምልክት እዩ ክብላ ተዛሪበን።

ኢትዮጵያውያን ኣፈላላይ ዋላ ኣብ ዘለዎም ግዜ እውን ኣብ ጉዳይ ሃገር ግና ዘይፈላለዩ ምኻኖም ዘርኢ ታሪኽ እዩ ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መበል 123 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ብድምቀት ተዘኪሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:42 0:00

XS
SM
MD
LG