ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 10ይ ጉባኤ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ተቓኒዑ


ን3 መዓልታት ክካየድ ዝቀነየ መበል 10ይ ጉባኤ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ሰሉስ 13 ግንቦት 2011 ዓ.ም ተዛዚሙ። ኣብ መክፍቲ ስነ ስርዓት ዝተረኽቡ ምክትል ርእስ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል “ሓይልታት ድሕረት ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ህዳሰ ክኾልፉ ሕገ መንግስታዊ ፌደራላዊ ስርዓትና ኣፍሪሶም ኣሃዳዊ ስርዓት ንምትካል ዝተዋደደ ዓብዪ ወፍሪ ኣብ ምክያድ ይርከቡ” ኢሎም።

እቲ ካብ 11 -13 ግንቦት 2011 ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝፀንሐ ጉባኤ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ትምእርተ ፅንዓት ብዝብል መሪሕ ቃል እዩ ተሰንዩ ተካይዱ።

ኣብቲ ጉባኤ ኣደ መንበር ቦርድ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዝኣብሄር እውን ተረኪበን መክፈቲ መደረ ኣስሚዐን እየን።

ንምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መበል 10ይ ጉባኤ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ተቓኒዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:30 0:00

XS
SM
MD
LG