ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መቐጸልታ ዕርቂ ኦነግን ኦዴፓን ኣብ ከተማ ኣምቦ ተጸንቢሉ


ኣብ`ቲ መሪሕነት ግንባር ሓርነት ኦሮሞን፡ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኦሮሞን ዝተረኽብሉ መድረኽ-ዕርቂ፡ ዓበይቲ-ዓዲ ኦሮሞ፡ ምሁራንን መንእሰያትን`ውን ተረኺቦም ኔሮም።

ንዕጡቓት ኦነግ ናብ ካምፕ ምእታዉ ንኸረጋግጽን፡ ዕረቅ-ሰላም ምትግባሩ ንምክትታልን ዝቖመ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ`ውን ስርሑ ብወግዒ ምጅማሩ ኣፍሊጡ`ሎ። ፕረዚደንት ኣምቦ ዩኒቨርሲቲ ዶ/ር ታደሰ ቀኒኣ ኣብ`ቲ እዋን፡ “ጌጋታት ምጽብጻብ ገዲፍና ብኸመይ ብሓባር ክንዕረ ንኽእል ንምምካር ኢና ኣብ`ዚ ተኣኪብና ዘለና” ኢሉ።

ጸሓፊ ቴክኒክ ኮሚቴ ኣቶ ጆሃር መሓመድ ብወገኑ ዝርዝር ስምምዓትን ኣተገባብራን ንተሳተፍቲ ኣስሚዑ። “ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ተኹሲ ደው ምባሉ ንእውጅ ኣለና። ሰራዊት ኦነግ ብኽብሪ ክኣቱ`ዩ። ኣቀባብላ ክግበረሉ`ዩ። ናይ ኦነግ ሰራዊት ካምፕ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ኦሮሚያ ተዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ኣፍልጦ የብሉን።”

ዕጡቓት ኦነግ ናብ ካምፕ ንምእታው 10 ናይ ምድላው መዓልታት ከም ዘድሊ ዝተገልጸ ክኸውን ከሎ፡ ናብ ካምፕ ድሕሪ ምእታው፡ ተኹሲ ዝኸፍት ኮነ ነቲ ስምምዕ ዝጥሕስ ዝኾነ ይኹን ተቐባልነት የብሉን ኢሉ`ሎ- እቲ ነዚ ከፈጽም ዝቖመ ኮሚቴ።

ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ምዕራብ ወለጋ፡ መንግስቲ ኣንጻር ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ስጉምቲ ወሲዱ፡ ልዕሊ 800 ዕጡቓት ከም ዝሓዘን፡ ኣብ`ቲ ኸባቢ ዝነበረ ስርዓት-ኣልቦነት ከም ዘረጋግኤን ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

መቐጸልታ ዕርቂ ኦነግን ኦዴፓን ኣብ ከተማ ኣምቦ ተጸንቢሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:20 0:00

XS
SM
MD
LG