መቐለ —
ኣብ ከተማ መቐለ 5.2 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ መንገዲ ኣስፋልቲ ከምዝተመረቐ ተገሊጹ::
እዚ ብምክንያት መበል 45 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተመረቐ መንገዲ ኣስፋልቲ ኣብ ኣፍደገ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝተሃነፀ ምዕሩግ ኣደባባይ ሓዊሱ እዩ።
ኣብቲ ምረቃ መንገዲ ኣቦ መንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዶክተር ደብረፅን ,ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ’ቲ ውድብ፡ መንግስትን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኪቦም ነይሮም።