ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መቐለ: 405 ሚልዮን ብር ወጻኢ ዝተገብረሉ ፕሮጀክት ሓይሊ ኤሌትሪክ ተመሪቑ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ


ኣብ ዙሪያ ከተማ መቐለ 405 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ፕሮጀክት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብናይቲ ክልል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ዶክተር ኣብርሃም በላይ ተመሪቑ ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሩ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

እቲ ዜና እቲ ፕሮጀክት ን25 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝገብር ተገሊፁ ይብል።ዶክተር ኣብሃም "ንዓመታት ብሕፅረት ሓይሊ መብራህቲ ይፅገሙ ዝነበሩ ጣቢያታት ብርሃን ክረኽቡ ምኽኣሎም ዝለዓለ ታሕጓስ ይስምዐኒ’’ ኢሎም ።

ቅድሚ ሎሚ ተጀሚሩ ዝነበረ ፕሮጀክት ወይ ሓዱሽ ዝተሰርሕ ምዃኑ ግን ብመንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ዝቐረበ ፀብፃብ ኣይገለፀን።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG