ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መቐለ፡ አባይቶም ዝፈረሶም ወነንቲ ዘቕረብዎ መረረን ምላሽ ምምሕዳር’ቲ ከባቢ


ኣብ ከተማ መቐለ ምድረ ገነት ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ዝርከቡ ወነንቲ ኣባይቲ መንግስቲ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ሕጋዊ ኣይኮነን ኢሉ አባይቶም ከምዘፍረሰሎም ክሳብ ሐዚ መፍትሒ ኣይረኸብናን ብምባል ይሓቱ ኣለዉ።

እቶም ወነንቲ አባይቲ ናብ መንግስቲ ጥርዓን እንተቕረቡ’ዃ ምላሽ ክረክቡ ከምዘይከአሉ ብምግላጽ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ዝፈረሰ ገዝኦም ኣሰሩ ንምጥፋእ ብዶዘር ይፅረግ ምህላዉ ቅሬታ የቕርቡ ኣለዉ።

ምምሕዳር ክፍለ ከተማ ሓድነት ከተማ መቐለ ብወገኑ እቶም ኣባይቲ ዝፈረሱ ዘይሕጋውያን ብምዃኖም እዮም ኢሉ።

መቐለ፡ አባይቶም ዝፈረሶም ወነንቲ ዘቕረብዎ መረረን ምላሽ ምምሕዳር’ቲ ከባቢ
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:38 0:00

እቲ ቦታ ናብ ኢድ መግስቲ ዝኣተወ ብምዃኑ ብምኽንያት ልምዓት ንዝፈናቐሉ ንምዕዳል ኢና ነፅርዮ ዘለና ኢሎም።

ኣይተ ህንፃ ኣማረ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓድነት ምድረ ገነት ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ኣብ 1994 ዓ.ም ገዛ ዓዲጎም ንትሸዓተ ዓመታት ከምዝነበርሉ ይዛረቡ።

ንሶም ነቲ መሬት ኣብቲ እዋን እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ይመሓደር ስለዝነበረ ካብ ሓረስቶት’ቲ ከባቢ ምዕዳጎምን ካብ ኣማሓደርቲ ጣብያ ድማ መረዳእታ ረኪቦም ይነብርሉ ምንባሮም ይገልፁ ::

"ብድሕሪኡ ድማ እቲ ቦታ ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል መንግስቲ ኣብ 2003 ዓ.ም ግበረ ሓይሊ ኣዋፊሩ ብሓይሊ ኣፍሪስዎ" ይብሉ።

ኣይተ ህንጻ ኣብቲ ከባቢ 227 ኣባይቲ ምፍራሱ ይዛረቡ። እቶም ወነንቲ ኣባይቲ ድማ መዕረፊ ሲኢኖም ይከላበቱ ኣለው ይብሉ።

"እዚ ቦታ መንግስቲ ንሓረስቶት ካሕሳ ከይከፈለ ንዓና እውን ለውጢ ቦታ ከይሃበ ናይ መን ቦታ እዩ ሒዙ ዘሎ።”

ካልኦት ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም መረረ ዘስምዑ ወነንቲ ኣባይቲ ብወገኖም "መንግስቲ ንትሸዓተ ዓመታት ዝነበርናሉ ቦታ ሕጋዊ ተዘይኮይኑ መጀመርትኡ ብዙሓት ኣባይቲ ክህነጹ ንምንታይ ሱቕ ኢሉ ይርእይ ካብ መሰረቱ ንምንታይ ኣይተቖፃፀሮን" ይብሉ።

ብተደጋጋሚ መፍትሒ ንምርካብ ካብ ጣብያ ክሳብ ክልል ንዘለዉ ኣመራርሓ ቅሬታኦም እንተተቕረቡ ዘዕግብ ምላሽ ዘከምዘይረኸቡ እቶም ወነንቲ አባይቲ ወሲኾም የረድኡ።

ወይዘሮ ሙሉ እምባየ ወናኒት ገዛ "መንግስቲ ምላሽ ክህበና እናሓተትና እናሃለና ዝፈረሰ ኣባይትና ኣሰሩ ንምጥፋእ ብዶዝር ይፅረግ ኣሎ" ኢለን።

ኣይተ ገብረስላሴ ንጉስ ዝተባህሉ ካልእ ወናኒ ገዛ "መንግሰቲ ብቕልጡፍ ምላሽ እተዘይሂቡና ኣብቲ ዝፈረሰ ገዛና ዋላ ቴንዳ ዘርጊሕና ክንነብር ኢና" ክብሉ መረረቶም የስምዑ።

ኣማሓዳሪ ክፍለ ከተማ ሓድነት ከተማ መቐለ ኣይተ ገብረ ታፈረ ሕጋዊ ኣይኮኑን ተባሂሎም ቅድሚ ትሸዓተ ዓመታት ዝፈረሱ ኣባይቲ ኣብ ገጠር ምምሕዳር ዝነበሩ ናብ ከተማ ምምሕዳር ንምእታው ተባሂሉ ኣብ ዝተገበረ ምፅራይ ዘይሕጋዊ ኮይኖም ዝተረኸቡ እዮም ብምባል ይገልፁ። "ብመሰረት እዚ ሕጋዊ ዘይኮኑ ኣባይቲ ብምፍረስ እቲ ቦታ ናብ ሊዝ ክኣቱ ተገይሩ" ኢሎም::

ኣማሓዳሪ ክፍለ ከተማ ሓድነት ከተማ መቐለ ኣይተ ገብረ ታፈረ
ኣማሓዳሪ ክፍለ ከተማ ሓድነት ከተማ መቐለ ኣይተ ገብረ ታፈረ

ንሶም ብተወሳኺ እቲ ቦታ ናይ መንግስቲ ብምዃኑ ብምኽንያት ልምዓት ካብ መነባብር ኦም ንዝተመዛበሉ ካልኦት ሰባት ንምዕዳል ብዶዘር ንፀርጎ ኣለና ኢሎም።

ትሸዓተ ዓመታት ምሉእ ዝነበርሉ ቦታ ዘይሕጋዊ ምኻኑ ቀዲሙ ንምንታይ ዘይተነገሮም ገና ኣብ መሰረት እናሃለወ እወን ከቋርፅዎ ንምንታይ ዘይተገበረ ዝብል ንኣይተ ገብረ ዝቐረበ ሕቶ ክምልሱ ከለው " እቶም ኣባይቲ ክፈርሱ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ኣብ ዘይሕጋዊ ቦታ ንብዙሕ ዓመታት ሰብ እናነበረሉ ሱቕ ክበሃል ኣይግባእን ነይሩ ብምባል ፀገም ኣፈፃፅማ ኣመራርሓ ከምዝነበረ ተኣሚኑ ሽዑ መንግስቲ ስጉምቲ ወሲዱ" ኢሎም።

ኣይተ ገብረ ሓቐኛ ሰነድ መረዳእታ ኣለና ኢሎም ንዝኣምኑ ወነንቲ ኣባይቲ ብሕጋዊ መንገዲ ብቤት ፍርዲ ክካትዑ ይኽእሉ እዮም ኢሎም።

XS
SM
MD
LG