ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“መቐለ ንሳልሳይ እዋን ደብዳብ ነፈርቲ ተኻዪዱ” ሮይተርስ፣ “ፈሺሉ” ወሃብ ቃል ህወሓት


ሎሚ ሓሙስ 21ጥቅምቲ 2021፡ ኣብ ከተማ መቐለ ሓድሽ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝተኻየደ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ከም ጸብጻብ ሮይተርስ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ምፍጻሙን ዝደልዮ ዕላማ ምውቃዑ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ደኣ ይሓብር እምበር፡ ብመሰረት ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ግን ዛጊት ኣብ ሰብን ንብረትን ዝበጽሐ ዕንወት የለን። ብመሰረት መሰኻኽር ዓይኒ፡ እቲ ደብዳብ ላጪ ኣብ ዝብሃል ኣከባቢ ምዃኑ ይገልጹ።

ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ናብቲ ቦታ ተጓዒዙ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ተወቒዑ ዝተባህለ ናይ ሕርሻ መሬት ኣሰር ክረኽበሉ ከም ዘይከኣለ ኣመልኪቱ ኣሎ።

“መቐለ ንሳልሳይ እዋን ደብዳብ ነፈርቲ ተኻዪዱ” ሮይተርስ፣ “ፈሺሉ” ወሃብ ቃል ህወሓት
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:00 0:00

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ወሃብ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ትዊተር መልእኽቲ ፈንዮም ነይሮም።

ብመሰረት መልእኽቲ ትዊተር ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ነፈርቲ ኲናት ሰለስተ ግዜ ደኣ ይመላለሳ እምበር፡ ብሓይልታት ጸረ-ነፈርቲ ትግራይ ተመሊሰን ዕላማአን ከየተግበራ ፈሺለን ከም ዝተመልሳ ኣመልኪቶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG