ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መቐለ ንራብዓይ መዓልቲ ደብዳብ ነፈርቲ ተኻዪዱ፣ 11 ሰራሕተኛታት ዩኒቨርስቲ መቐለ ቆሲሎም


ሎሚ ዓርቢ 22 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ምብራቓዊ ወገን ከተማ መቐለ፡ ዩኒቨርስቲ መቐለ ከባቢ እንዳ ኢየሱስ፡ ንራብዓይ እዋን ደብዳብ ነፈርቲ ተኻዪዱ።

ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝለኣኾ ዝደሓረ ጸብጻብ፡ በቲ መጥቃዕቲ 11 ሰራሕተኛታት ዩኒቨርስቲ መቐለ ቆሲሎም ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ይሕክሙ ምህላዎም ሓቢሩ'ሎ።

ከም ሓበሬታ ኣሶሴይትድ ፕረስን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስን ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ናብ መቐለ ዝግበር ዝነበረ በረራ’ውን ብሰንኩ ተሰናኺሉ ኣሎ። ወሃብ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፡ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣቐዲሙ መሰልጠኒ ማእከል ዕጡቓት ትግራይ ዝነበረ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ብመሰረት መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ፡ እቲ ዒላማ፡ ስልጠና ዝካየድሉን መሳርሒ መራኸቢታት ዝኽዘነሉን ኢዩ።

ወሃብ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ’ቲ ዝተቛረጸ በረራ ብኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ተሓቲቱ ኣብ ዝመለሰሉ ድማ “ሰዓታትን መስመር በረራታትን እቲ መጥቃዕቲን ናይ ሓገዝ ነፈርቲን በበይኑ’ዩ፡” ክብል መሊሱ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንተለቪዥን ትግራይ ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊ 11 ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ከም ዝወረደ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣጽብሃ’ውን ናብቲ ቦታ በጺሑ ነይሩ። ብመሰረት ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ድማ እቲ መጥቓዕቲ እኽሊ ሓረስቶት ሃሪሙን ኣቃጺሉን።

XS
SM
MD
LG