ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መቐለ፡ ንመንእሰያት ካብ ወልፊ ንምንጋፍ ዝስርሕ ትካል


መቐለ፡ ንመንእሰያት ካብ ወልፊ ንምንጋፍ ዝስርሕ ትካል
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:56 0:00

መቐለ፡ ንመንእሰያት ካብ ወልፊ ንምንጋፍ ዝስርሕ ትካል

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዝተጣየሸ ንመናእሰይ ካብ ወልፊ ንምንጋፍ ዓሊሙ ዝሰርሕ ማእከል ኣሎ፡፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ስነ ልቦና ኣይተ ወልዳይ ሓጎስ ኣተሓባባሪ እቲ ማእከል ኮይኖም ንኣቀባብላን ስርሓትን እቲ ማእከል ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም፡፡ ኣይተ ወልዳይ ወልፊ ዘለዎም ሰባት ናብዚ ማእከል ቅድሚ ምምፅኦም ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ብምኻድ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክወሃቦም ይግበር፡፡ ድልውነቶም ከረጋግፁን ክውስኑን ምስ ተገበረ ናብ ማእከል ይመፅኡ ይብሉ፡፡

ንሶም ቀፂሎም ናብዚ ማእከል ካብ ትግራይ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ክልላት ኣምሓራ፣ቤንሻንጉል ፣ዓፋርን ደቡብን ብዘይካ እዚአም ትውልደ ኢትዮጵያውያን ኮይኖም ኣብ ኣሜሪካ፣ኣውስትራልያ፣ቻይናን ስዑድ ዓረብን ዝነብሩ እውን ኣብ ማእከልና ብምእታው ካብ ወልፊ ነፃ ክኾኑ ተገይሩ እዩ፡፡ ዛጊት ብድምር ከባቢ 500 ዝኮኑ ኣትዮም ኣብዚ ሕጂ እዋን 14 ጥራይ ኣብ ማእከልና ይርከቡ ክብሉ አረዲኦም፡፡

ኣይተ ወልዳይ ሓጎስ እዚኦም ሜዲካል ዶክተራት፣ኢንጅነራት፣ጋዜጠኛታት፣ሓረስቶት ከይተረፉ ናብ ማእከልና ኣትዮም ካብ ወልፊ ሓራ ኮይኖም ኣፍረይቲ ዜጋ ኮይኖም ይርከቡ ይብሉ ፡፡ እቲ ወልፊ ዝተሓዙሉ ብመርፍእ ዝውሰድ፣ መስተ ጫትን ካልእን እዩ፡፡

ምስ ኣይተ ወልዳይ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፡፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:05 0:00

XS
SM
MD
LG