ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መቐለ: ብልዑል ነጥቢ ዝተመረቑ ኣብነታዊያን ተማሃሮ


ተማሃራይ ብርሃነ እምሃን ሳባ ገብረመድህንን ካብ ኤምኣይቲ ብዝለዓለ ነጥቢ ካብ ዝተመረቁ ተማሃሮ እዮም፡፡ ተመራቂ ብርሃነ እምሃ ኣብ ታሕታይ ማይጨውን ውቅሮ ማራይን ክሳብ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቱ ብምክትታል ዝለዓለ ነጥቢ ብምርካብ ናብ ኤም ኣይቲ ዘምረሐ ዕዉት ተምሃራይ እዩ፡፡ ብርሃነ እምሃ ብከሚካል ኢንጂነሪንግ ብዝለዓለ ነጥቢ ኣብ ልዕሊ ምምራቁ ብምህዞ ሳይንስን ቴክኖሎጅን እውን ተሸላሚ ብምዃን ክሳብ ሃገረ እስራኤል ዕድል ሓፂር ስልጠና ዝረከበ እዩ፡፡

ተመራቂት ሳባ ገብረመድን ኣብ ዓዲ ግራት ተወሊዳ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ትምህርቲ ክትምሃር ድሕሪ ምፅናሕ 12 ክፍሊ ኣብ ኤ ኦ ኤስ ተማሂራ ልዑል ነጥቢ ብምርካብ ኣብ ኤም ኣይ ቲ ብምእታው ብኮምፒተር ሳይንስ ካብ ደቂ አንስትዮ ተሸላሚት ሜዳልያ እያ፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፡፡

መቐለ: ብልዑል ነጥቢ ዝተመረቑ ኣብነታዊያን ተማሃሮ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:09 0:00

XS
SM
MD
LG