ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስርሕ ፍርዲ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ቤት ፍርዲ ጀሚሩ’ሎ


መስርሕ ፍርዲ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ንዝቐረበሎም ክስታት ብልሽውና ሎሚ ሶኑይ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ቤት ፍርዲ ጀሚሩ’ሎ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ መዝነቶም ዝተአልዩ ፕረዚደንት ነበር በሽር ዘይግቡእ መንገዲ ናይ ወጻኢ ባጤራታት ብምሓዝን ገንዘብ ብመልክዕ ህያብ ምቕባልን ብዝብሉ ክስታት’ዮም ቤት ፍርዲ ቐሪቦም።

ብመሰረት ነቲ ቤት ፍርዲ ቃሉ ዝሃበ መርማሪ በሽር ካብ ስዑዲ ዓረብ ብሚልዮናት ዝቑጸር ዶላር ምቕባሎም ምግላጾም ሓቢሮም።

ከም ኣምንስቲ ዝአመሰሉ ዓለምለከ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን እቲ መስርሕ ፍርዲ ብልሽውና ነቲ ፕረዚደንት በሽር ኣብ ዞባ ዳርፉር ካብ ዝሕተትሉ ምጽናት ዓሌትን ገበናት ኹናትን ዘዘናብል ክኸውን የብሉን ይብሉ።

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ፕረዚደንት በሽር ብገበን ኣንጻር ሰብኣዊነት ገበን ኹናትን ምጽናት ዓሌትን ምኽሳሱ ይዝከር።

ብተወሳኺ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተኻየደ ተቓውሞ ንሰልፈኛታት ብምቕታልን ምልዕዓልን ዝብል ክሲ ቐሪቡሎም ምንባሩ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG