ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስርሕ ምርመራ ካብ ስልጣን ምውራድ ፕረዚደንት ኣሜሪካ


ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ዝካየድ ምርመራ ስሩዕ ንምግባር ሓሙስ ድምፂ ሂቡ’ሎ።

ንምዃኑ እቲ ቤት ምኽሪ እንታይ እዩ ኣድሚፁ?

እቲ ውሳነ ትራምፕ ምስ ናይ ዩክሬይን መራሒ ብስልኪ ኣብዝተዘራረብሉ እዋን ትራምፕ ጌጋ ፈፂሞም እንተኾይኖም ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ምርመራ ንምክያድ መስርሕ ዘቐምጥ እዩ።ቃል መሰኻኽር ብዕሊ ናይ ምስማዕን መሰኻኽር ቃሎም ክህቡ ምግዳድ ዘኽእልን ዝርዝር ኣሰራርሓ ዘቐምጥ እዩ።ናይቲ ቤት ምኽሪ ኮሚቴ ስለያ House Intelligence Committee ኣድላዪ ኮይኑ ኣብዝረኸቦ እዋን ክጥቀመሉ ንቤት ምኽሪ ኮሚቴ ዳይነት House Judiciary Committee ሪፖርት የቕርብ።ኮምቴ ዳይነት ካብ ስልጣን ከውርድ ዘኽእል ሓደ ወይ ተወሳኺ ዓንቀፃት ክጥቀመሉ ዘኽእል ሪፖርት እዩ ክኸውን።እቲ ውሳነ ሓሳብ ናይቶም ፕሬዝዳንት ጉጅለ ሰብ ሙያ ሕጊ ክሟኣገቱን ንቶም መሰኻኽር መሰቀለኛ ሕቶ ከቕርቡን ዕድል ይህቦም።

ቤት ምኽሪ ኣብ ምንታይ እዩ ኣድሚፁ?

ኣፈጉባኤ ናንሲ ፐሎሲ ብወግዒ ድምፂ ክውሃቦ ካብ ሪፓብሊካዊያን ንሰሙናት ይቐርብ ዝነበረ ሕቶ ዕሽሽ ክብልኦ ፀኒሐን እየን።ኣብ ክንድኡ 24 መስከረም ዕላዊ ምርመራ ብምጅማር ሽዱሽተ ኮሚቴታት ቤት ምኽሪ ትራምፕ ጌጋ ምስርሖም ተፀናፃኒ ሓበሬታ ኣስሊኹ ዘውፅኦም ክስታት ክምርምሩ ኣዊጀን።ሪፓብሊካዊያን ብምሉኡ እቲ ቤት ምኽሪ ድምፂ ከይሃበሉ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ መስርሕ ምክያድ ቅቡል ኣይኮነን ይብሉ።

እቲ ሕገ መንግስቲ ይኹን ናይ ኮንግረስ ሕግታት ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ምርመራ ንምጅማር ድምፂ ክውሃብ ኣለዎ ዝብል የብሉን።

ፖለቲካዊ ትርጉም ምድማፅ እንታይ እዩ?

ካብ 435 ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ነቲ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ምርመራ ማዕረ ክንደይ ደጋፊ ኣለዎ ዝብል ይውስን፤እቲ ምድማፅ።ኣብቲ 234 ኣባላት ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ብኣብዝሓ ድምፂ ክሓልፍ ኣለዎ።

ምሃብ ድምፂ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ምርመራ ንምክያድ ዝተፈጥረ ደውታ ከመይ ይፀልዎ?

ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ መስርሕ ብስሩዕ ምጅማሩ ዋይት ሃውስ ምስቶም መርመርቲ ንዘይምትሕብባር ወይ ንዝቐርብ ኣስገዳድ መፀዋዕታ ኣይቅበልን ከይብሉ ክብሉ ኣፀጋሚ ይገብሮ።ፐሎሲ ድምፂ ከምዝውሃቦ ኣብ ዝገለፃሉ እዋን ‘’ነዚ ስጉምቲ እዚ ንወስዶ ዘለና ምምሕዳር ትራምፕ ሰነዳት ናይ ምሓዝ፣መሰኻኽር ቃል ምስክርነቶም ከይህቡ ናይ ምኽልካል፣ሕጋዊ ናይ ኣስገዳድ ፃውዒት ናይ ዘይምትሕብባር ወይ ንተወከልቲ ቤት ምኽሪ ዕንቅፋት ምፍጣሩ ንምውጋድን ጠጠው ንምባል እዩ’’ኢለን።

ሪፓብሊካዊያን እንታይ ይብሉ?

ዋይት ሃውስ ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ነፂጉዎ እዩ።ኣቐባሊ ቃል ዋይት ሃውስ ስተፋኒ ግሪሽሃም ‘’ኣቦ ወንበር ሺፍ ብሓደ ወገን ዝተመርሐ ክልተ ዙር ቃል ምስክራት ክሳብ ዝሰምዑ ዋይት ሃውስ ምሉእ ብምሉእ ከይሳተፍ ተኸልኪሉ እዩ’’ኢሎም።ኣብ ቤት ምኽሪ ወኪል ሪፓቢካዊያን ስቲቭ ስካሊስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ነቲ ውሳነ ‘’ኣይፋልን’’ ኢሎም ከድምፁ መልእኽቲ ልኢኾምሎም።ኩሎም ሪፓብሊካዊያንን ክልተ ኣባላት ዴሞክራትን ‘’ኣይፋልን’’ ዝብል ድምፂ ሂቦም ኣለው።232 ብ196 ድምፂ ሓሊፉ’ሎ።

ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ምርመራ ዝተቐመጠ ሰሌዳ ግዜ መዓስ እዩ?

መራሕቲ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ንቶም ፕሬዝዳንት ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ድምፂ ቅድሚ ሓዱሽ ዓመት ኣውሮፓዊያን ክኸውን ኣለዎ ይብሉ ኣለው።እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ስልጣን ናይ መውረዲ ዓንቀፅ እንተድኣ ኣፅዲቖም ሰኔት እቶም ፕሬዝዳንት ካብ ስልጣኖም ክልዓሉ ኣብዝብል ምናልባሽ ኣብ ከባቢ ሓድሽ ዓመት ፍርዲ ክህብ እዩ።

XS
SM
MD
LG