ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስርሕ ምምስራት ክልል ሲዳማ ብሰንኪ ዘይተወድኡ ጉዳያት ይደናጉይ ምህላው ተገሊጹ


ኣብ ወርሒ ሕዳር ብመሰል ርእሰ ውሳነ ክልል ምኳኑ ዘረጋገፀ ሲዳማ፡ ክልል ንምዃን ዘኽእል ምድላው እንተገበረ እውን ክፍፍል ሃብቲ ሓዊሱ ብመንግስታት ፌደራልን ክልል ደቡብን ክውድኡ ዝግብኦም ጉዳያት ብዘይምዝዛሞም እቲ መስርሕ ምድንጓዩ ምምሕዳር ዞባ ሲዳማ ኣፍሊጡ።

ሲዳማ ዝረኸቦ ክልል ናይ ምዃን መሰል ብሕገ መንግስቲ ዝውዳእ ምዃኑን ክቕየር ናብ ዘይኽእል ደረጃ ምስግጋሩን ሓላፊ ፕረስ ናይቲ ዞባ ኣቶ ገነነ ኣበራ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንምስረታ ናይቲ ክልል ንሰበስልጣን ሲዳማ፣ዞባ ጌዴኦን ፍሉይ ወረዳታት ቡርጂን ኣማሮን ክዘራረቡ ኣዚዞም ዝብል ዝመሓለለፍ ዘሎ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ እውን ሓላፊ ፕረስ ናይቲ ዞባ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ገሊፆም ።

XS
SM
MD
LG