ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ ተቐይዱ


ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ሃገረ ኤኳደር
ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ሃገረ ኤኳደር

ብሪጣንያ ንጁልያን አሳንጅ ዝተባህለ መስራቲ ዝተፈላለዩ ሓበሬታት ሃገራት ብምልሗኽ ዝፍለጥ ዊክሊክስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ሎሚ ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ሃገረ ኤኳደር ብምውሳድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትያ።

ኣመሪካ፡ ዊኪሊክስ ምስ ዝገብሮ ዝነበረ ምዝርጋሕ ምስጢራዊ ሰነዳት ኣመሪካ ብዝተሓሓዘ፡ ብሪጣንያ ንጁልያን አሳንጅ ኣሕሊፋ ክትህባ ሓቲታ’ላ ።

ጁልያን አሳንጅ
ጁልያን አሳንጅ

ንሱ ፖሊስ ከተማ ለንደን ድሕሪ ብአባላት ኤምባሲ ዝተገብረሎም ጻውዒት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ሓላፊ ሃገራዊ ጸጥታ ብሪጣንያ ሳጂድ ጃቪድ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ ጽሑፍ “ጁልያን አሳንጅ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ኤምባሲ ኤኳደር ኣብ ለንደን ምጽንሑ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ምእታውን የረጋግጽ” ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ “ማንም ልዕሊ ሕጊ ኣይኮነን” ኢሎም።

አሳንጅ ኣብ 2012 ኣብ ስዊድን ድሕሪ ዝቕረበሉ ናይ ጾታዊ መጥቓዕቲ ክሲ ኣብ ለንደን ዝርከብ አምባሲ ሃገረ ኤኳደር ተዓቑቡ ዝጸንሓ ኮይኑ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ድማ ኣገልግሎት ኢንተርነትን በጻሕትን ተኸልኪሉ ምጽንሑ ይፍለጥ ።

ፖሊስ ለንደን ብኣምባሳደር ኤኳደር ኣብ ለንደን ብዝተገብረሎም ጻውዒትን መንግስቲ ኤኳደር ንአሳንጅ ሂብዎ ዝነበረ ናይ ዑቕባ መሰል ድሕሪ ምሕዳጉን ነቲ ማእሰርቲ ምክያዶም ገሊጾም ኣለው።

አሳንጅ ብሸውዓተ ሲቪል ዝተኸድኑ ፖሊስ ኣብ ዝተወስደሉ እዋን ክጻረፍን ዋዕዋዕ ክብል ከምዝተሰምዓ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG