ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን አሳንጅ ንኣሜሪካ ኣሕሊፉ ንክወሃብ ዝካየድ ፈተነ ይቓወም


መስራቲ ዊኪሊክኪ ጁሊያን ኣሳንጅ ኮምፒተራት ሚንስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ሃክ ናይ ምግባር ውዲት ፈፂሙ ብዝብል ክስታት ናብ ኣሜሪካ ኣሕሊፉ ክውሃብ ንዝግበር ፈተነ ከምዝቃወሞ ሎሚ ሓሙስ ንቤት ፍርዲ ለንደን ተዛሪቡ።

ኣሳንጅ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብሪጣንያ ብናይ ቪዲዮ ርክብ ንቤት ፍርዲ ኣብዝሃቦ ቃል "ብዙሓት ሽልማታትን ንዝረኸብኩሉን ንሰባት ዝተኸላከልኩሉን ሞያ ጋዜጠኝነት ምክንያት ኣሕሊፈ ንክውሃብ ኢደይ ኣይህበን እየ’’ ኢሉ።

ኣሜሪካ ኣሳንጅ ቸልሲ ማኒንግ ምስ ዝተባህለት በዓልቲ ሞያ ወታደራዊ ስለያ ሓይልታት ምክልኻል ኣሜሪካ ብምትሕብባር ናብ ናይ ፔንታጎን ኮምፒተራት ሰርሲሮም ብምእታው ሓበሬታ ብምስራቕ ክሲ ክውሃባን ናብ ፍርዲ ክቐርብን ሓቲታ’ላ።

ማኒንግ ምስጢራዊ ሰነዳት ንዊኪሊክስ ኣሕሊፋ ብምሃባ ንብዙሓት ዓመታት ድሕሪ ምእሳራ ኣብ ወርሒ መጋቢት ድማ ነቲ ትካል ዝምልከት ኣብ ዝካየድ ምርመራ ምስክርነታ ክትህብ ፍቓደኛ ብዘይምዃና ዳግማይ ኣብ ማእሰርቲ ከምትርከብ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG