ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስራቲ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ጋዜጠኛ ተስፋለም ወልደየስ ተአሲሩ


መስራትን አዳላዊን ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ጋዜጠኛ ተስፋለም ወልደየስ ምእሳሩ ዝተፈላለየ መሓውራት ዜና ሓቢረን።

መሳርሕቱን ኣዕርኽቱን ሃለዋቱ ከምዘይፈልጡ እንተገለፁ እውን ፌደራል ፖሊስ ዘሰክፍ የለን ክብል ብምግላፅ ንማእሰርቱ ምርግጋፁ ቢቢሲ ፀብፂቡ ኣሎ።

ፖሊስ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።ፈፃሚ ዳይረክተር ማእኸል ምስጓም ንመሰላትን ዴሞክራስን በፈቃዱ ሃይሉ ኣዲስ ኣበባ ንዝተኻየደ ብዓል ኢሬቻ ድሕሪ ምፅብፃቡ ሃለዋቱ ከምዝጠፍአ ገሊፁ።በፈቃዱ ብቲዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ተስፍኣለም ትማሊ ሰንበት ኣብ ቢሸፍቱ ንዝተኻየደ ናይ ኢሬቻ ፌስቲቫል ሽፋን ንምሃብ ትልሚ ነይሩዎ ኢሉ።

ተስፍኣለም ድሕሪ ናይ ኣዲስ ኣበባ ብዓል ሰባት ንምምሕዳር ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ብምንቃፍ ድምፆም እናስምዑ ዘርኢ ቪዲዮ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ኣውፂኡ ነይሩ።

ተሳተፍቲ "ጀዋር፣ጀዋር’’ዝብል ድምፂ እናጨርሑ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑ ይሓቱ ኔሮም።

ተስፍኣለም "ዞን ትሽዓተ ብሎገራት’’ ብዝብል ዝፈልጥ ኣብ 2014 ካብ መንጎ ዝተኣሰሩ ሰለስተ ጋዜጠኛታትን ሽዱሽተ ብሎገራትን ሓደ ነይሩ።

ብዓል ኢሬቻ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተኸበረን ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ዝኾና ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ናይ ህወሓት ኣጋር ኢለን ዝፀውዕኦ ሸኔ ዝለኣኾም ሰባት ነቲ ብዓል ክርብሹ ፈቲኖም ክብላ ከሲሰን።እተን ከንቲባ ሸኔ ኢለን ዝገለፅኦ ንባዕሉ ግን ናይ ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት ኢሉ ዝፅውዕ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ጉዳይ ዝበሎ የብሉን።

ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ናይ ኢሬቻ ብዓል ካብ ቢሾፍቱ ንምፅብፃብ ዝገበሮ ፃዕሪ ካብ ኣተሓባበርቲ ናይ መሕለፊ ፍቓድ ብዘይምርካቡ ኣይተዓወተን ።

XS
SM
MD
LG