ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስመር ዛላምበሳ ኣስመራ ምዕጻው ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ካብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ተከፊቱ ዝነበረ መስመር ዛላምበሳ ኣስመራ ምዕፃዉ ተሓቢሩ። እቲ ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ክፉት ኮይኑ ሰባትን መጓዓዝያን ከም ድላየን ዝመላለሳሉ ዝነበራ መስመር ዛላምበሳ ኣስመራ ሮቡዕ 17 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም ካብ ንግሆ 12 ሰዓት ጀሚሩ ምዕፃዉ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ጉሎምካዳ ኣይተ ግርማይ ሓዱሽ ሓቢሮም።

ኣይተ ግርማይ ሓዱሽ ካብ ንግሆ ሮቡዕ ጀሚሩ ሓደሽቲ ዝኣቱን ዝወፅእን ብምክልካል ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከይዶም ዝፀንሑ ነናብ ዝነበርዎ ክምለሱ ፍቁድ እዩ ኢሎም። እዚ ምክልካል ብወገን መንግስት ኤርትራ ኩነታቱ ንምርዳእ ናብቲ ዶብ ከባቢ ተንቀሳቂስና ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ንምርካብ ምፍታኖም ሓላፊ ፀጥታ ወረዳ ጉሎምካዳ ኣይተ ግረማይ ይገልፁ።

እቲ ምክልካል ከም ኣገላልፃ ኣይተ ግርማይ ደጊም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዝኮነ ካብ ፌደራል መሕለፊ ወረቀት ከምፅእ ከምዘለዎ ከም ዝሓበሩዎም ይዛረቡ። እቲ ምክልካል ምምሕልላፍ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይተከልከለ ምኳኑ ኣይተ ግርማይ ሓዱሽ ይሕብሩ።

እዚ ሃንደበታዊ ምክልካል ምምሕልላፍ ህዝብታት ይኩን መካይን ኣብ ህዝቢ ኣሉታዊ ስምዒት ኣሕዲሩ ኣሎ ክብሉ ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ጉሎምካዳ ኣይተ ግርማይ ሓዲሽ ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መስመር ዛላምበሳ ኣስመራ ምዕጻው ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:39 0:00

XS
SM
MD
LG