መቐለ —
ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘራኽቡ መስመራት ሑመራ - ኡምሓጀርን ራማ -ዓዲዃላን ኣብ ቀረባ እዋን ንኽክፈቱ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ንምሕያል አመራርሓ ደረጃ ዘተ ነካይድ ኣለና ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓቢሮም።
እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠሚቱ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ራያን ዞባ ምዕራብ ትግራይን ዝገበርዎ ዑደት ጠሚቱ እውን መብርሂ ሂቦም እዮም።
ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ርክብ ንምሕያል ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝብን ርክብ ኣመራርሓን ኣብ ዶብን ከባቢኡን እውን ይካየድ ኣሎ ኢሎም።