ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርበብ ስለያ ኢራን ንጆን ቦልተን ንምቕንጻል መደብ ሓንጺጹ ምንባሩ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ሓቢሩ


ጆን ቦልተን -ፋይል
ጆን ቦልተን -ፋይል

ኣብ እዋን ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጸጥታ ዝነበሩ ጆን ቦልተን ንምቕታል፡ ኢራን ቀንጸልቲ ንምቝጻር ትሰርሕ ምንባራ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ። ኢራን ነቲ ሓሳብ ዘንቀለት ብኣመሪካ ንዝተቐትለ ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ጀነራል ቓስም ሶሌማኒ ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ብወገን ኢራን ነቲ ተልእኾ ንምፍጻም ብሓላፍነት ዝሰርሕ ዝነበረ ካብ ውሽጣዊ ጸጥታ እታ ሃገር ሻርማን ፖርሳፊ ሕጂ ብሚኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ክሲ ተመስሪቱሉ ኣሎ። ከም ጸብጻባት ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ፡ ንጆን ቦልተን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ወይ ድማ ሜሪላንድ ዝቐንጸለ ሰብ 300-ሽሕ ዶላር ዓስቢ ተሰሊዑሉ ነይሩ። ኢራን ኣብ መሬት ኣመሪካ ንላዕለዎት ሰብ-መዚ’ታ ሃገር ንምቕታል ቅድሚ ሎሚ’ውን ተመሳሳሊ መደባት ከም ዝነበራ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ይሕብር።

ጆን ቦልተን ምስ ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ምብታኾም ካብ 2018 ክሳብ 2019 ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጸጥታ ዝነበሩን ቅድሚኡ ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኖም ዘገልግሉን’ዮም።

XS
SM
MD
LG